“ኣብ ፍጻሜ 21 ጥሪ ስርሒት ፎርቶ ቕዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ከንብብ ኣይተገደድኩን” ሓላፊ ኤሪ ቲቪ ጋዜጠኛ ኣስመላሽ ኣብርሃ

ኣብ 21 ጥሪ ለውጢ ዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ንሚኒስትሪ ዜና ንሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፣ ሓላፊ ክፍሊ ቴሌቪዥን ኣስመላሽ ኣብርሃ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ክትግበርን ዝጠልብ ጻውዒት እቶም ሰራዊት ከተንብብ ተገዲድካ ንዝብል ብAFP ዝቐረበሉ ሕቶ ሓሶት’ዩ ክብል ከምዝመመለሰ ግሎባል ፖስት ሓቢሩ።

 

ጋዜጠኛ ኣሰላሽ ኣብርሃ፣ ነቲ ናይ 21 ጥሪ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ እኳ እንተዘይከሓዶ፣ እንታ’ዮም ጠሊቦም ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ግን ውልቃዊ ድሌታኦቶ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ክብል’ዩ ነቲ ፍጽማኤ ከነኣእሶ ፈቲኑ።

ብመሰረት ጸብጻብ AFP፣ ብዘይካ ሓደ ርእሰ ቅትለት ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ እቶም ካልኦት ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ኣስመላሽ ኣብርሃ፣ ነቲ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ ወልሓደ ከምዝይነበረ’ዩ ከቖናጽቦ ፈቲኑ።

ብዛዕባ ህድማ ሚኒስተር ዜና ነበረ ዓሊ ዓብዱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ካልእ ርእይቶ ድማ፣ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ’ዩ ክብል ንህድማ ናይ ነዊሕ እዋን ሓላፊኡ ነበረ ዓሊ ዓብዱ ኣቖናጺብዎ።

እዚ ትካል’ዩ ኣብ ትካል እምበር ኣብ ውልቀ ሰባት እምነት የብልናን ዝበለ ኣስመላሽ ኣብርሃ ድሕሪ ህድማ እቲ ኣፈኛ ፕረዚደንት ዝነበረ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ’ውን እቲ ትካል ይቕጽል ምህላዉ’ዩ ከረድእ ፈቲኑ።

AFP ካብ ኣስመራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ካብ ህዝቢ ርእይቶ ንምእካብ ኣፈተነሉ ዝበዝሐ ህዝቢ ክዛረብን ርእይቱ ክገልጽ ከምዝፈርሐ ጠቒሱ።

ስሙ ዝዓቐቦ ሓደ ኣውቲስታ ግና ርእቶና ክንገልጽ፣ ክንዛራብን ይኹን ክንጽሕፍ ዘይንኽእል ከም እንቛቁሖ ተዓፊና ኢና ዘሎና ክብልነቲ ኩነታት ከምዝገለጸ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ ብከቢድ ራዕድን ፍርሕን ኣብ ትሕቲ ወትሃደራዊ ምልካዊ ምምሕዳር ከምዘሎ እቲ ህሉው ኩነታት እታ ሃገር ባዕሉ ምስክር ምዃኑ’ውን ኣብቲ ዓንቐጽ ተጠቒሱ ኣሎ።

=====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0