ሓድሽ ፕሮጀክት ምህናጽ መንበሪ ኣባይቲ ኣስመራ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዘይኮነ ካዝና መንግስቲ ንምድንፋዕ ዝዓለመ’ዩ ተባሂሉ

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ከቢድ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት መንበርን ናይ ትካላት ኣባይትን ብምህናጽ ክሸጠሎም መዲቡ ከምዘሎ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ኣቐዲሙ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ብቦንድን ካልእ መልክዓትን ንዝዓደግዎ መሬት፣ ኣባይቲ ንክሰርሓሎም ዝወሰዶ ኩንትራት ከይዛዘመ ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቝጺሩ ክነሱ፣ እንደገና ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምውህላል ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ኣባይቲ ሃኒጹ ክሸጠሎም ምዃኑ ይገልጽ።

እንተኾነ ብሰንኪ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንብዙሓይ ዘጉሃየ መስርሕ ምዕዳግን ምህናጽን ኣባይትን በሰልኡ ከሓወየ፣ መንግስቲ እንደገና ብህግደፍ ብዝውነና ኩበንያታት ህንጻ ኣባይቲ ሰሪሐ ክሸጠልኩም’የ ምባሉ ጥርጣረታት ፈጢሩ ይርከብ።

ድሕሪ እገዳ ባይቶ ጸጥታ፣ ኤምባሲታት መንግስቲ ኤርትራ ክልተ ካብ ሚእቲ ምእካብ ከቛርጽዎ መንግስታት ሃገራት ምዕራብ ጸቕጢ ድሕሪ ምግባሮም፣ ደገፍቲ ህግደፍ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝኸድሉ ክልተ ካብ ሚእቲ ክኸፍሉ’ዩ መምርሒ ዝመሓላለፈሎም ዘሎ።

ነዚ ሓድሽ ክስራሕ ምዃኑ ዝግልጸ ዘሎ ኣባይቲ ክዕድግ ዝደሊ ደጋፊ ህግደፍ ድማ ክልተ ካብ ሚእቲ ከምዝኸፈል ዘረጋግጽ ሰነዳት ብምቕራብ 25 ሚእታዊት ዋጋ እቲ ዝስራሕ ገዛ ብምኽፋልን ምዝገብ ከምዝክእል’ዩ ብመንገዲ ኤምባሲታት ዝሕበር ዘሎ።

ኣቐዲሙ ንተጋደልቲ ተባሂሉ ኣብ ማይ ሕጹ ዝተጀመረ ምስራሕ ኣባይቲ ከይተዛዘመ 10 ዓመቱ ኣቑጺሩ ክነሱ፣ ብሃንደበት ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ኣባይቲ ክሰርሓሎም ምውሳኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከቓልል ዘይኮነ፣ ገጢምዎ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሰርፊ ንምምላእ ጥራይ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝገልጹ።

ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ጸገም እቲ ከቢድ ጾር ኮይንዎ ዘሎ ክራይ ኣባይቲ ንምፍታሕ ዝኾነ ፖሊሲን ውጥንን ዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል ነቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ መንበሪ ኣብይቲ ክሃንጽ’የ ምባሉ ኣሽኻዕላል ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያትት ዝገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕጂ ንደገፍቱ ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ክሰርሓሎምየ ዝብሎ ዘሎ ኣባይቲ ብናጻ ጉልበት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከካይዱ ብምውጣኑ’ውን ካልእ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0