ኣብ ፈረንሳ ኣንጻር ናጻ ፕረስ ዝቐንዐ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ ዝኹንን 40 መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ፈረንሳ ኣንጻር ናጻ ፕረስ ዝቐንዐ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክያዱ ዝኹንን 40 መራሕቲ ሃገራት ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 12 January 2015

Repub

ነቲ ኣብ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰለማውያን ሰባትን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኹነን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ መላእ ፈረንሳ ብሓፈሻ፣ ናይ ሓድነት ሰልፊ ዘካየደ ህዝቢ ድማ ልዕሊ 3 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ኣስታት 40 መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ሓለፍቲ ዞባውያንን ኣህጉራውያን ውድባት፣ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ጋዜጠኛታትን ኣስታት 3 ሚልዮን ህዝብን ዝተሳተፎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ተሳተፍቲ፣ ናጽነት ፕረስ ፈረንሳ ብሰንኪ ሽበራውያን ከምዘይሰናኸል ኣረጋጊጾም።

 

ኣብቲ ካብ ሪፖብሊክ ዝተባህለ ቦታ ክሳብ ናስዮን ዝተባህለ ንኣስታት ክልተ ኪሎሜተር ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ወኪል ሬድዮ ኤረና፣ እታ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ካብ ምልክን ጭቆናን ሃዲሞም ንዝመጹ ኣማኢት ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍትንን ካርቱኒስትን ብምዕቋብ እትፍለጥ ከተማ ፓሪስ፣ ኣንጻር ናጻ ፕረስ ብዝዓጠቑ ሽበራውያን ጉጅለታት ኣብ ከምዚ ዓይነት ውጥረት ክትኣቱ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ድሕሪ ሰውራ ፈረንሳ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ትማሊ ሰንበት 11 ጥሪ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ህዝብታት ንመሰለቶም ብሓባር ደው እንተሎም ግዳማዊ ይኹን ውሽጣዊ ዓመጽ ቦታ ከምዘይህልዎ ዘመልክት ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ።

ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ፣- ካብ ኢራን፣ ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንንን ካልኦት ሃገራትን ካብ ዘሎ ምጉዕጻጽ ፕረስን ማእሰርትን ንዝሃደሙ ጋዜጠኛታት ዝዕቖበሉ ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝተዋደደ፣ ፍሉይ መንበሪ ቤት ጋዜጠኛታ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ብምጥባቕ መሰል ጋዜጠኛታት ብደረጃ ኣህጉር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ትካል’ውን ማእከላይ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ፓሪስ’ዩ።

ኣብዛ ብናጽነት ፕረስን ሓሳብካ ምግላጽን እትፍለጥ ከተማ ፓሪስ፣ ብ7 ጥሪ ብሽበራውያን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጋዜጠኛታትን ካርቱኒስትን ናይታ ብሻርሊ ኤብዶ እትፍለት መጽሔት ዝርከብዎም 17 ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።

===================================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0