ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝጽውዑ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ማይላም ዝተባህለ ናይ ታዕሊም ቦታ ክወርዱ ይግደዱ ምህላዎም ተፈሊጡ

ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝጽውዑ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ማይላም ዝተባህለ ናይ ታዕሊም ቦታ ክወርዱ ይግደዱ ምህላዎም ተፈሊጡ

Radio Erena: 12 January 2015

abotat

ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ።

እቶም ድሮ ብግዴታ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ጀሚሮም ዘለዉ ኣቦታት፣ ማይላም ናብ ዝተባህለ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታ ከምዝወረዱ ዘረጋገጹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ እቶም ገና ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ’ውን ስድራቤታት ወርሓዊ መቑነን ዝረኽባሉ ኩፖን ብምኽልካልን ብግፋን ንምውራዶም መደብ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 60 ዝግመቱ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ዋኒንኩም ሕርሻኩምን ጠንጢንኩም ናብ ታዕሊም ውረዱ ዝበል ትእዝዛ፣ ንናብራ ስድራቤታት ኣብ ግምት ዘየእቱን ዕላምኡ ዘይንጹርን ክብሉ ክቃወምዎ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

 

እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሰጋገር ዝጸንሐ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝጽውዕ ትእዛዝ ካብ ሎሚ 12 ጥሪ ግና ኩሎም እቶም ዝምልከቶም እንተዘይወሪዶም ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝጽበዮም ብምምሕዳራት ተሓቢርዎም ኣሎ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0