ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለት ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ብሉጽ መንእሰይ ተሰምዩ

ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለት ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ብሉጽ መንእሰይ ተሰምዩ

Radio Erena: 23 June, 2014

Merhawi

ተቐዳዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ ኤም.ቲ.ኤን. ኩቤካ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ፡ ካብ ዓርቢ 20 ሰነ ክሳብ ትማሊ ሰንበት 22 ሰነ፡ ኣብ ፈረንሳ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ፡ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ሮውት ዱ ሱድ ላ ዴፔች ዱ ሚዲ፡ ብሉጽ መንእሰይ ኮይኑ።

ኣብዚ ብዓቐብ ዝተዓብለለ ውድድር፡ ፍሉይ ዓቐብ ናይ ምሕዃር ክእለት ዘለዎ መርሃዊ፡ ነዚ ክብሪ እዚ ዝበቕዐ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ መበል 13፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሳልሳይን መዛዘምን ድማ መበል 11 ኮይኑ ውድድሩ ድሕሪ ምዝዛም እዩ።

 

ኣብ ሓደ እዋን ሊኢኲፕ ብዝተባህለት ናይ ፈረንሳ መጽሄት “ሉል ናይ ኤርትራ” ዝተሰምየ መርሃዊ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ውድድር ግዜ (General Classification) ካብ ተዓዋቲ ብጫ ናይ ክብሪ ማልያ፡ ተቐዳዳማይ ክለብ ቲንክኦፍ-ሳክሶ ኣየርላንዳዊ ኒኮላስ ሮቸ፡ 55 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ሓሙሻይ ደረጃ ሒዙ።

እዚ ወዲ 20 ዓመት ተቐዳዳማይ፡ ኣብ ናይ መንእሰያት ውድድር፡ ኣብ ፋልማይ መድረኽ 6ይ ደረጃ ድሕሪ ምሓዙ እዩ፡ ናብ ቀዳማይ ደረጃ ብምሕኳር ብሉጽ መንእሰይ ክኸውን ክኢሉ።

መርሃዊ ቅዱስ ብድሕሪ ውድድር ካልኣይ መድረኽ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ካብ ማህረመቲ ተመሊሰ ነዚ ዓወት ብምቕዓይ ብጣዕሚ ሕጉስ እየ” ኢሉ።

መንእሰይ መርሃዊ ነዚ ኣንጸባራቒ ዓወት ዘምዝግብ ዘሎ፡ ቅድሚ 2 ወርሒ ካብ ዘግጠሞ መስበርቲ ናይ ኳሌታ ዓጽሚ ሓውዩ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቦኽሪ ኣህጉራዊ ውድድር እዩ። ኣብ’ዚ ውድድር ኣብ ቱር ዲ ፍራንስን ጂሮ ዲ ኢታልያን ግኑን ሽም ዘለዎም፡ ከም ስጳኛዊ ኣሌሳንድሮ ቫልቨርደ፡ ኣውስትራልያዊ ማይክል ሮጀርስ፡ ኣየርላንዳዊ ኒኮላስ ሮቸን ካልኦትን ክሳተፉ ቀንዮም።

መርሃዊ ብምኽንያት ሕክምና ካብ ብሽክለታ ተፈልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ቅድድም ተመሊሱን፡ ምስ’ዞም ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ገጢሙ፡ ነዚ ዓቢ ዓወት ከምዝግብ ብምኽኣሉ ካብ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽክለታ ዓቢ ናእዳ ከትርፍ ክኢሉ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ዮናስ መብራህቱ፡ ብቀዳም 19 ሰነ 2014፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ፡ መበል 35 ዓመታዊ ውድድር ጉያ እግሪ ኣይስላንድ ሸልተር፡ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ወዲ 26 ዓመት ዮናስ ነዚ ናይ 10 ሽሕ ሜትር ውድድር ንምዝዛም፡ 29 ደቒቕን 6 ካልኢትን ወሲድሉ። ኣብዚ ውድድር ዝተሳተፈ፡ ወዲ 39 ዓመት ተዓዋቲ ቦስተን ማራቶን፡ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ መብ ክፍለዝጊ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0