ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሓይሊ ፖሊስ ተበቲኖም

ኣብ ጎደናታት ፓሪስ ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ስደተኛታት ብሓይሊ ፖሊስ ተበቲኖም

Radio Erena: 11 July 2017

france

ኣብ ጎደናታት ከተማ ፓሪስ ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ብፖሊስ’ታ ከተማ ከምዝተበተኑ ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ብዓርቢ 7 ሓምለ ኣብ ዝሃብኦ ጸብጻብ፣ እቶም ስደተኛታት ካብቲ ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ጎደናታት ፓሪስ ተኣርዮም፣ ናብ ግዚያዊ መጽለሊ ከምዝተወስዱ ሓቢረን።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ኣብ ትሕቲ መስመራት ባቡር ኣጽሊሎም ዝጸንሑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፣ ብዘይ ማይ፣ መግብን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን እዮም ክነብሩ ጸኒሖም።

 ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ፖሊስ ከተማ ፓሪስ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ ንመበል 34 ግዚኡ እዩ።

ንስደተኛታት ኣገልግሎት ዝህባ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ዝህቦኦ ዘለዋ መግለጺ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ንመንበሪ ኣባይትን፣ መስርሕ ምጽራይ ዑቕባን ብዝምልከት መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ደኣምበር፣ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣብ ዝተረኽበሉ ጥራይ ስጉምቲ ምውሳዱ ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብላ ይኸሳ።

እቲ ብጫካ ዝፍለጥ ኣብ ካሌ ዝነበረ ስደተኛታት ብብዝሒ ዝርከቡሉ ዝነበሩ ቦታ ብመንግስቲ ፈረንሳ ካብ ዝዓኑ፣ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ከተማታት ፓሪስ እዮም ውሒዞም።

ኣብ ካሌ ሰብኣዊ ረዲኤት ክገብሩ ዝፈተኑ ንኣሽቱ ማሕበራት ብፖሊስ ስለዝተኸልከሉ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።

ሓድሽ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣብ ቨርሳይ ንዝተጋበአ ባይቶ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መስርሕ ምጽራይ ጉዳይ ስደተኛታት ክመሓየሽ፣ ስሉጥ ክኸውንን ቃል ኣትዩ እዩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0