ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ዑደት ዘካየደ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ

Radio Erena: 01 November 2020

ብኣቦ መንበር ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሓ ላዕለዋይ ልኡኽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ሎሚ ባሕቲ ሕዳር ናብታ ሃገር ኣትዩ።

እቲ ጀነራል፣ ብ29 ጥቅምቲ ናብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያድ’ዩ ናብ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ።

ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓሉ ሓደ መዓልቲ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ሓድሽ ወጥሪ ፈጢሩ ዘሎ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ዘትዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሐሉ ድማ፣ ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዶባትን ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይክኣለ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ክዝቲ ምዃኑ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝውሕዝ ዘሎ ሓበሬታ የመልክቱ።

ኣብ እዋን ስርዓት ዑመር ኣል በሺር፣ መርገጺ ኢትዮጵያ እትድግፍ ዝነበረት ሱዳን፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምቛማ፣ ናብ ግብጺ ዛዝያ ትርከብ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ኣብ ጉዳይ ናይል ድሕሪ ምስሓባን ፕረዚደንት ኣመሪካ ድማ ግብጺ ነቲ ዲጋ ከተዕንዎ ከምእትኽእል ድሕሪ ምግላጹን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳንን ግብጽን ሓድሽ መድረኽ ዲፕሎማሲ ከካይድ ከምዝደሊ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ዑደት ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ድማ ኣካል ናይዚ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ምስ ሱዳን ከሰሓሕባ ዝጸንሐ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ምልሻታታት ብምስሓብ፣ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝተዋጽአ ናይ ሓበር ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ዳግም ንምውፋሩ መደብ ከምዘሎ ይጥቀስ።

ኣልፋሽጋ ኣብ ዝተባህለ፣ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት፣ ምሊሻታት ኢትይጵያ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶትን ኣባላት ፖሊስን ሱዳን መጥቃዕታት ክፍጽሙ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ሱዳን፣ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ መጠንቀቕታ ከተቕርብ ጸኒሓ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0