ኣብ እንዳባጉና፤ 423 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ተወሺቦም ከምዝነበሩ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 November 2020

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፣ 423 ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፣ ተወሺቦም ከምዝነበሩ ተገሊጹ።
ንለበዳ ኮቪድ 19ን ኩነታት ስደተኛታትን ኣመልኪቱ ብዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ 2020 ዓመተምህረት ወርሓዊ ኣስታት 3 ሽሕ ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ከምዝነበሩ ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ምቕያር ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኩነታት ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ድሮ ኣስጋኢ ኮይኑ እኳ እንተነበረ፣ ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ግና ናብ ከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ወግዓዊ ፍቓድ ከምዘይብሉ ይሕብር። ምስ ምዕጻው እቲ ዶብ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተገቲኡ እኳ እንተሎ፣ ምሉእ ብምሉእ ግና ደው ከምዘይበለን ብውሑዱ ልዕሊ 50 ሰባት ወግዓዊ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም ተመዝጊቦም ከምዘለዉን እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ክዓጽዎ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 እቲ መደብ ከምዝተሰናኸለ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ወግዓዊ መብርሂ ስለዘይተዋህቦም፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዘይርጉእ ህይወት ከሕልፉ ይግደዱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0