ኣብ ግብጺ፣ ዞባ ኣስዋን ተኣሲረን ዝርከባ 39 ኤርትራውያን ደቂንስትዮ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዳ

ኣብ ግብጺ፣ ዞባ ኣስዋን ተኣሲረን ዝርከባ 39 ኤርትራውያን ደቂንስትዮ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዳ

Radio Erena: 02 August 2016

Aswan

ኣብ ግብጺ፣ ዞባ ኣስዋን ኣብ ዝርከብ፣ ኣሸላል ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ተቐይደን ዝርከባ 39 ኤርትራውያን ደቂንስትዮ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከምዘካየዳ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ካይሮ ዝመደበሩ መንእሰያት ግንቦት 24 ዝተሰምየ ኤርትራዊ ምንቕስቃስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ፖሊስ ግብጺ ብዛዕባ ኩነታት እተን ደቂንስትዮ ከምዝተወከሶም ብምርግጋጽ፣ ንኽተሓበበርዎም ከምዝሓተቱ’ውን ጠቒሱ።

መንግስቲ ግብጺ ናብ ኤርትራ ክመልስ ንዘቕረበልን ሕቶ ብምንጻገን ኣብ ማእስርቲ ተቐይደን ዝርከባ እተን ደቂንስትዮ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ንሓያሎ መዓልታት’የን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዘካይዳ ዘለዋ።

 

እተን ምስ ሱዳን ኣብ ዘዳውብ ዞባ ኣስዋን፣ ተኣሲረን ዝርከባ ደቂንስትዮ፣ ናብ ካይሮ ንምስጋር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታወን’የን ተቐይደን።

ኣብቲ ዞባ ኣስዋን፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ደቂተባዕትዮ’ውን ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ተቐይዶም ከምዘለው እቲ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝለኣኸ ምንቕስቓስ መንእሰያት 24 ግንቦት የመልክት።

ግብጺ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ክትመልስ ወይ ከኣ ብፍቓዶም ናብ ኢትዮጵያ ክሰጋገሩ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እዚ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ምስግጋር፣ ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ከም ናይ ቀደሙ ይስርሓሉ ከምዘየሎ ይንገር።

ስእሊ፣ ፈረጀት ኣርካይቭ

========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0