“ኣብ ጉዳይ መሬትና ንዕገሰሉ ምኽንያት የለን።” ጀነራል ኣል ቡርሃን

Radio Erena: 14 January 2021

ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊ መሬትና ንዕገሰሉ ምኽንያት የለን ክብል ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ውግእ ዝተኻየደሉ ከባቢታት ኣልፋሽጋ ተረኺቡ፣ ንሰራዊት ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድናና ንምሕላው ክንብል፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ተጸሚምማ ኢና ድሕሪ ምባሉ፣ ሕጂ’ግን ንዕገሰሉ ምኽንያት የለን ክብል ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ፣ ዘይሓሰብና’ዮ ኣብ ልዕሌና ክድዓት ፈጺማ ዝበለ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ሓለዋ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ምኽፋታ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ ብተወስኺ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሱዳን ሰጊሩ ቆልዑን ደቂንስትዮን ስለዝቐተለ፣ ንሕናው’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ባህልናን እምነትናን ዘየፍቅድ እኳ እንተኾነ፣ ደም ሱዳናውያን ግና ሕሱር’ዩ ማለት ከምዘይኮነ ብቁጥዐ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ እዚ መሬት ሱዳን’ዩ፣ መሬትና ድማ ንዝኾነ ወገነ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና ብምባል፣ ኣብ መሬትና መስዋእቲ ክንከፍል ድሉዋት ኣለና ዝብል ናይ ነድሪ ቃል ኣስሚዑ።

መሬታ ሱዳን ክወስድ ዝደሊ፣ ንሱዳናውያን ቀትሉ ምስ ወድአ ጥራይ’ዩ ክወስድ ዝኽእል ድማ ኢሉ።

ኢትዮጵያ፣ ብወገና ብዛዕባ’ቲ ብመራሒ ሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ ወግዓዊ መልሲ እኳ እንተዘይሃበትሉ፣ ናብ ዶባት ኣጽዋርን ሰራዊትን ትጓርት ከምዘላ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ’ውን ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ሱዳን ከምዝሰገረት፣ ሰራዊት ሱዳን ተወሳኺ ወቐሳ ኣስሚዑ’ዩ።

ሱዳን ንዝበዝሐ እቲ ብኢትዮጵያ ን26 ዓመታት ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬታ ከምዘምለሰት ክትገልጽ እንከላ፣ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ሱዳን ዶብ ሰጊራ ወራር ትፍጽም ከምዘላ’ያ ኸሲሳ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዝኸበደ ጎንጺ ከምርሓ ይኽእላ’የን ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፣ ዝተፈላለያ ጉጅለ ባህልታት ሱዳን፣ ኣብ ዶባ ናብ ዝርከብ ሰራዊት እናተንቀሳቐሱ ብናይ ጎስጓስን ደርፍታት የዛንያ ምህላወን ተፈሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን ዘለዋ ጎንጺ ንምፍትሑ፣ መራሕቲ ኤርትራ፣ ሕቡራት ኢማራትን ደቡብ ሱዳን ከም መንጎኛታት ክኣትዉ ንዝተኻየደ ፈተነታት ዛጊት ኣይተዓወትን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0