ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዝቐጸለ ናይ ብሄር ግጭት ልዕሊ 100 ኢትዮጵያውያን ተቐቲሎም

Radio Erena: 15 January 2021

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዚ፣ ዞባ መተከል፣ ኣብ ዝቐጸለ ግጭት ልዕሊ 100ሰባት ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ድባጤ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ካብዚ ብመንግስቲ ዝግለጽ ዘሎ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ፣ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብቲ ክልል ኣቐዲሙ ኣብ ዝተጎሃሃረ ናይ ብሄር ግጭት፣ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተትሉ፣ ኣማኢት ድማ ከምዝቖሰሉን ክግለጽ እንከሎ፣ ካብ ቤት ንብረቶም ናይ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ብዝሑ ድማ ልዕሊ 100 ሽሕ’ዩ በጺሑ።

ኣብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ድማ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኵናት፣ ኣቶ ስዩም መስፍንን ኣባይ ጸሃየን ዝርከቦም ገዳይን ተጋደልቲ ህወሓትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነበርን ከምዝቐተሉ ክገልጽ እንከሎ፣ ኵናት ትግራይ ገና ከምዘይተዛዘመን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽል ምህላውን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር የመልክቱ።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ድማ፣ ምስቲ ብሸኔ ዝፍለጥ፣ ንናጽነት ኦሮማ ዝቓለስ ዕጡቕ ሓይሊ ከቢድ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ወለጋ’ውን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዓወታት ብምጉንጻፍ፣ ኣማኢት ከምዝቐተለን ከምዝማረኸን ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ኣገልግሎታት ብስሩዕ ይሰርሕ ምስ ዘይምህላዉ፣ እቲ ሓቂ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መኦኣልታዊ ዝህቦ ዘሎ መግለጺታት፣ ዓወታት ከምዝተጎናጸፈ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ብኣንጽጻር እዚ ግና፣ ብዘይካ’ቲ ኤርትራውያን ዝበዝሐ ኣሃዱታታት ብምስላፍ እትሳተፎ ዘላ ኵናት ትግራይ፣ ብምዕራብ ምስ መንግስቲ ሱዳን፣ ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ዝርከበሉ ክፋል ቤንሻንጉል ጉምዝን ምዕራብ ወለጋ ናይ ክልል ኦሮምያን ድማ ናይ ብሄር ግጭታት እናሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝእንፈት።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0