ኣብ ጉያ ማራቶን ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሴ መበል ራብዓይ ተርታ ብምሓዝ ተዓዊቱ

ኣብ ጉያ ማራቶን ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሴ መበል ራብዓይ ተርታ ብምሓዝ ተዓዊቱ

ghirmayኣብ ሪዮ ደ ጀኔሮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኦሎምፒክ፣ ኣብ ጉያ ማራቶን ኤርትራዊ ግርማይ ገብረስላሴ መበል ራብዓይ ተርታ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

ኣትለት ግርማይ ገብረስላሴ፣ ውድድሩ ብ2 ሰዓት፣ 11 ደቒቕን 4 ሰኮንድን ብምዝዛም እዩ ራብዓይ ደረጃ ሒዙ። ኣብቲ ውድድር ኬንያዊ ኤሊዩድ ኪፕቾገ ቀዳማይ፣ ኢትዮጵያዊ ፈይሳ ሊለሳ ካልኣይ፣ ከምኡ’ውን ኣመሪካዊ ጋለን ሩፕ ሳልሳይ ብምዃን ተዓዊቶም።
ንስዊዘርላንድ ዝወከለ ታደሰ ኣብርሃም መበል ሻብዓይ ከምኡ’ውን ንኣመሪካ ዝወከለ መብራህቱ ክፍለዝጊ መበል 33 ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚሞሞ ኣለዉ።

 

ኢትዮጵያዊ ኣትለት ፈይሳ ሊለሳ ኣብ ናይ መዛዘሚ መስመር ድሕሪ ምብጽሑ ዘርኣዮ ምልክት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ስሒቡ። ንሱ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ጎንደር ዘርእዮ ዘሎ ተኸታታሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘርእዮ ናይ ኣእዳው ምልክት ዝመሳሰል ብምርኣይ፣ ንዕላማ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ethi athltንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኦሮሞ ይቐትልን ይኣስርን ኣሎ ድሕሪ ምባል፣ ካብ ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ክስዕቦ ንዝኽእል መቕጻዕቲ ብዝምልከት፣ ኣብ ሃገረይ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ኣይክእልን እየ፣ ነዛ ዝረኸብኩዋ ዕድል ክጥቀመላ ኔሩኒ ይብል።

ሓደ ካብ ሕግታት ኣህጉራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ፣ ኣብ እዋን ውድድር ዝኾነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ ተቓውሞ ምርኣይ ዝእግድ እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተራእየ ህዝባዊ ኣብያ፣ ተወላዶ ትግራይ ካብታ ከተማ ይወጹ ከምዘለዉ ኣልጀዚራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ገለ ተወላዶ ትግራይ መንነቶም ብምኽዋል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ናይ ንግዲ ትካላቶምን መንበሪ ኣባዪቶምን ብናዕበኛታት ከምዝዓነወ ድሕሪ ምግላጽ፣ ንህይወቶም’ውን ውሕስነት ከምዘይብሎም ሓቢሮም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዘለዉ ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓራን፣ እቲ መንግስቲ ብተወላዶ ትግራይ ዝተዓብለለን ንሓደ ብሄር ዘገልግልን’ዩ ብምባል እዮም ዝኸሱዎ።

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ብተወላዶ ትግራይ ዝውነን ትካላት ንግዲ፣ ቤት መግቢ፣ ሆቴላት፣ ኣድማ ብዝገብሩ ዘለዉ መንእሰያት ይዓኑ ከምዘሎ ኣልጀዚራ ኣብ ዝፈነዎ ጸብጻብ የመልክት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታቱ ብዝሃቦ ጨካን ምላሽ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ምጽራይ ክግበር ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ክጽውዓ ጸኒሐን’የን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0