ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ 70 ህንዳውያን ባሕረኛታት ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቂሮም

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ 70 ህንዳውያን ባሕረኛታት ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቂሮም

Radio Erena: 17 September 2015

&0 Indians

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ገማግም ባሕሪ የመን፣ 70 ህንዳውያን ባሕረኛታት ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቒሮም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኣፍሊጡ።

እቶም ህንዳውያን ባሕረኛታት ናብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝኣተውሉ ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ቅድሚ 15 ዓመታት ናይ ካርጎ ጽዕነት ንምርጋፍ ድሕሪ ምጽግዖም መውጽኢ ከምዝሰኣኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ነፈርቲ ውግእ ስዑዲ ዓረብ፣ ህንዳውያን ባሕረኛታት ንዝነበርዋ ጃልባ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘጥቕዓሉ ብውሕዱ ሽዱሽተ ህንዳውያን ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

 

ህንዲ ነቶም ኣብ መንጎ ኵናት ተቀርቒሮም ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ጻዕርታት ትገብር ምህላዋ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉድያት ወጻኢ እታ ሃገር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዘይ ኣፍልጦ ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራት ወሽመጥ ናብ ገማግም ባሕርን ክሊ ኣየርን የመን መራኽብ ኮና ነፈርቲ ከይንቀሳቀሳ ኣቐዲሙ ዝወጸ መጠንቐቕታ እኳ እንተሎ፣ ዋንነተን ገና ንጹር ዘይኮና ህንዳውያን ሰራሕተኛታት ዝሓዛ መራኽብ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ብተደጋጋሚ ይጽግዓ ኣለዋ።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0