ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ሃለዋት ብዓውታ ክሓትት ጻውዒት ቀሪቡ

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ሃለዋት ብዓውታ ክሓትት ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 16 September 2015

Erii

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ሃለዋት ብዓውታ ክሓትት ጻውዒት ቀሪቡ።

እዚ ብምኽኝያት 14 ዓመት ዝኽሪ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ደለይቲ ፍትሒ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት፣ ስቕታ ይኣክል! ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣዴታትን ኣቦታትን ደቕና ኣበይ ኣለዉ ክብሉን ድምጾም ብዓውታ ከስምዑን ዝጠልብ’ዩ።

ደቀን ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ መስዋእቲ ክኸፍሉ፣ ፍናን ኣስኒቐን ዘፋነዋን፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ጎኖም ዝተሰለፋን ኣዴታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ደቀን ካብ ሕቑፈን እናመንጠለ ብዘይዝኾነ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዘሳቕን ሞራሎም ዝሓማሽሽን ንኤርትራ ናብ ጸልማት ዝመርሕ ንዘሎን ህግደፍ፣ ብቅሉዕ ተቓውሞአን ከስምዓ’ውን ለበዋ ቀሪቡ።

 

ኣቦታት’ውን ነቲ ብስም ህዝባዊ ሰራዊትን ሚልሻን ካብ ስሩዕ መነባብርኦም ኣመዛቢሉ ጠበናጁ ኣዕጢቕዎም ዘሎ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ፣ መሰልን ክብሪን ደቆም ከረጋግጽን ንሓያሎ ዓመታት ብዘይፍርዲ ሃለዋቶም ናይ ዝጠፍአ ዘሎ ደቆም ሕቶ ከቕርቡሉን መበል 14 ዓመት ፍጻሜ 18 መስከረም 2001 እተዘኻኽር ዕለት ምዃና’ውን ዝተፈላለዩ ውድባት ኤርትራ፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ውድባትን በብወገኖም ዝዝርግሕዎ ዘለዉ መልእኽታት ይጽውዕ።

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ሃይማኖት፣ ፖለቲካን ስግረ ዶብን በብእዋኑ ናይ ዝኣሰሮም ዜጋታት ቁጽሪ ልዕሊ 10 ሽሕ ከምዝበጽሕን፣ ኣማኢት ካብዚኣቶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ጸብጻባት ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0