ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ኣስታት 40 ስደተኛታት ጥሒሎም

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ኣስታት 40 ስደተኛታት ጥሒሎም

Radio Erena, March 11, 2014

yemen refu

ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ የመን ኣፍሊጡ።

እታ ካብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ዝተበገሰት ጃልባ፣ ቢር ዓሊ ኣብ ዝተባህለ ገማግም ባሕሪ የመን ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን’ያ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣጋጢሙዋ።

እታ ጃልባ ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምግምጣላ፣ ሓይሊ ባሕሪ የመን፣ 30 ስደተኛታት ከድሕን እንከሎ፣ ኣስታት 40 ግና ድሮ ጥሒሎም ሬስኦም ክረኽቦ’ውን ከምዘይክኣለ ሓቢሩ።

 

እቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሞት ዝደሓኑ 30 ስደተኛታት ማያፋ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብግዝያውነት ተዓቝቦም ከምዘለዉ’ውን እቲ ሓይሊ ባሕሪ ጠቒሱ።

ዜግነት ነይቶም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣስታት 40 ስደተኛታት ይኹን ናይቶም ዝደሓኑ ዛጊት ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር መብዛሕቱ እዋን፣ እዚ መንገዲ’ዚ ዝመርጹ ኢትዮጵያውያን ሶማላውያንን ብምዃኖ፣ ግዳያት እዚ ናይ ትማሊ ሓደጋ ባሕሪ’ውን ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ክኮኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

=============================

 

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0