ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ሬሳ 95 ስደተኛታት ተረኺቡ

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ሬሳ 95 ስደተኛታት ተረኺቡ

Radio Erena: 06 October 2015

95 bodies

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ሬሳ 95 ስደተኛታት ጸምበለል ኢሉ ከምዝተረኽበ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ግብረ ሰናይ ዝነጥፍ ትካል ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ገሊጹ።

ካብ ባሕሪ ዝተገፍዐ 85 ሬሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጥራብሎስ ክርከብ እንከሎ 10 ከኣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሳባርታ ከምዝተላዕለ፣ ኣፈኛ እቲ ትካል መሓመድ ኣል ማስራቲ ገሊጹ።

እዚ ብሰንበት 4 ጥቅምቲ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተግፍዐ ሬሳ ናይ 95 ሰባት፣ ናይ ስደተኛታት ምዃኑ ክረጋገጽ እኳ እንተኸኣለ፣ ንመንቶም ይኹን ዝጠሓልሉ ኩነታት ወይ ካብ ሊብ ዝተበገስሉ ዕለት ግና ኣይተፈልጠን።

ምርካብ ናይዚ ሬሳታት፣ ምስ ዝኽሪ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘጋጠመ ሓደጋ ላምፔዱሳ ምግጣሙ ከኣ፣ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታትን ነባሪ ፍታሕ ክርከበሉ ከምዘይክኣለ’ዩ ዘመልክት።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 2600 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉ ጸብጻባ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ይሕብር።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0