ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክኸውን ብምሉእ ድምጺ ተመሪጹ

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክኸውን ብምሉእ ድምጺ ተመሪጹ

Radio Erena : 07 October 2015

Eth PM

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ክመርሕ ብምሉእ ድምጺ ተመሪጹ።

ሓደ’ውን ይኹን ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ዘይብሉ፣ 547 መናብር ዝውንን ፓርላማ ኢትዮጵያ ብሰኑይ 5 ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቕጽል ብምሉእ ድምጺ ዝወሰነ።

ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ ኣብ 2012 ስልጣን ዝተረከበ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ድሕሪ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ስልጣን ኣይቕጽልን’ዩ ይብሃለሉ እኳ እንተነበረ፣ እዚ ናይ ሰኑይ ውሳኔ ፓርላማ እታ ሃገር ግና ኣፍሪስዎ ኣሎ።

 

ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ን25 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ሚእቲ ብሚእቲ ከምዝተዓወተ ብምግላጽ፣ 547 መናብር ንዘለዎ ፓርላማ እታ ሃገር ንብምሉኡ ከምዝወነኖ ኣይርሳዕን።

ብደረጃ ተዓዛብነት ዝተሳተፈ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ምርጫ ርትዓዊን ብዘይዝኾነ ጎነጽ ከምዝተኻየደን ምስርክርነቱ ክህብ እንከሎ፣ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ግና ከምዝነጸግዎ ይዝከር።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ነዚ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣብ ዝቕጽለሉ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ምፍጣጥን ጉዳያት ሶማልን ደቡብ ሱዳንን ካብ ዓበይቲ ናይ ወጻኢ እተኩሮታቱ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከኣ፣ ድኽነት፣ ደርቅን ጉዳይ ተቓወምቲን ዝዓበየ ብድሆታቱ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ዝተመርጸ ኣቶ ሃይለመርያም ደሳለኝ ትማሊ ኣብ ዘቖመ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ዝኾነ ለውጢ ኣይገበረን።

ኣቶ ሃይለማርያን ኣብ ስልጣን ክቕጽሉ ዝረቁሖም 30 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ ፓርላማ እታ ሃገር’ውን ሃገር ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0