ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናትን ስደተኛታትን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዱ

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናትን ስደተኛታትን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይዱ

Radio Erena: January 24, 2014

 

eri Dj 2

ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ስደተኛታትን ዝጀመረዎ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ፣ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት፣ ፍታሕ ክረኽቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ጻዕርታቶም ከሕይሉ ዝጽውዕ ጠለብ ብ7 ጥሪ ብሬድዮ ኤረና ድሕሪ ምቕራቡ፣ ጉዳዮም ዝኾነ እወታዊ ለውጢ ከርኢ ብዘይምኽኣሉ’ዮም ካብ 17 ጥሪ ኣትሒዞም መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ።

 

እቶም ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኹ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣፍልጦ ከይህብ ስለዝሓንገደ፣ መንግስቲ ጅቡቲ’ውን ከም ግብረ መልሲ ቆላሕታ ምሃብ ኣብዮዎም ከምዘሎ’ዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዘሰሓሓበ ጉዳያት ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ቐጠር ንዝተወስደ ተበግሶ ክቕበል እንከሎ፣ ብወገን ጅቡቲ ዝቐረበ ምልውዋጥ ምሩዃት ኵናት ዝብል ሓሳብ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ምላሽ’ውን ኣያሀብሉን።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ዝተራእየ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቐጠር ሽምግልና ይካየደሉ እኳ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሓሙሽተ ዓመቱ መሊኡ ውጽኢቱ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ግጭተ ከይውላዕ ዝቖጻጸር ዓቃብ ሰላም ኣዋፊራ እኳ እንተለዋ፣ እቲ ናይ ቐጠር ተበግሶ ክሳብ መዓስ ክጸንሕ’ዩ ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ብኡ መንጽር ድማ፣ ጉዳይ ናይቶም ጅቡቲ ሒዛቶም ዘላ ምሩዃት ኵናት ፍታሕ ከይረኸበ ኣብ ጠልጠል ምህላዉ ይግለጽ።

ጅቡቲ ብዘይካ’ዚ፣ ዶባ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ነበረ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ትሕዞም ምህላዋ’ያ ትንቐፍ።

ኣብ ጅቡቲ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ኩናትን ልዕሊ 200 ድማ ስደተኛታትን ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0