ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 132 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ተለቒቖም

ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 132 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ተለቒቖም

Radio Erena: January 24, 2014

 

yem gef

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዘጽሖም 132 የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ከምዝለቐቖም፣ ኤምባሲ የመን ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቶም ብሰኑይ 20 ጥሪ ዝተለቑ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ የመን ዲፕሎማሰኛ መሓመድ ኣል ዓዛኒ ንማዕከንናት ዜና ሃገሩ ኣረጋጊጹ።

እቲ የመናዊ ዲፕሎማሰኛ፣ ንኣገልግሎት ዜና የመን ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራይ ኣብ ኤርትራ ተታሒዞም ካብ ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ዛጊት 1673 ከምዝተለቑ ጠቒሱ። 

 

ገና ኣስታት 400 ዝኾኑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ቀይዲ ከምዘለዉ ዘረጋገጸ መሓመድ ኣል ዓዛኒ፣ ንኽልቐቑ ዝካየድ ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓደ፣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ንኽልቐቑ ከካይዶ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ’ውን ኣመስጊኑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን ኣቡባከር ኣልቑርቢ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካየዶ ዝርርብ’ውን፣ ኣብ ምልቓቕ እዞም ተታሒዞም ዝጸንሑ የመናውያን እወታዊ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ የመናዊ ዲፕሎማሰኛ ኣረዲኡ።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0