ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ስደተኛታታትን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም

ኣብ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለዉ ምሩዃት ኵናት ኤርትራን ስደተኛታታትን ህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም

Radio Erena: January 7, 2014

 

POW Djኣብ ጅቡቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት ፍታሕ ክረኽቡ ኤርትራውያን ወገናቶም ጻዕርታቶም ከሕይሊ ተላብዮም።

እቶም ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ዝተኻየደ ኵናት ዝተማረኽ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ኣፍልጦ ከይህብ ስለዝሓንገደ፣ መንግስቲ ጅቡቲ’ውን ከም ግብረ መልሲ ቆላሕታ ምሃብ ኣብዮዎም ከምዘለዎ’ዮም ዝገልጹ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዘሰሓሓበ ጉዳያት ንምፍታሕ ብመንጎኝነት ቐጠር ንዝተወስደ ተበግሶ ክቕበል እንከሎ፣ ብወገን ጅቡቲ ዝቐረበ ምልውዋጥ ምሩዃት ኵናት ዝብል ሓሳብ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ምላሽ’ውን ኣያሀብሉን።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ከባቢታት ሙሳ ዓሊ ዝተራእየ ምስሕሓብ፣ ብመንጎኝነት ቐጠር ሽምግልና ይካየደሉ እኳ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሓሙሽተ ዓመቱ መሊኡ ውጽኢቱ ክፍለጥ ኣይተኻእለን።

ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ግጭተ ከይውላዕ ዝቖጻጸር ዓቃብ ሰላም ኣዋፊራ እኳ እንተለዋ፣ እቲ ናይ ቐጠር ተበግሶ ክሳብ መዓስ ክጸንሕ’ዩ ዝተፈልጠ ነገረ የለን።

ብኡ መንጽር ድማ፣ ጉዳይ ናይቶም ጅቡቲ ሒዛቶም ዘላ ምሩዃት ኵናት ፍታሕ ከይረኸበ ኣብ ጠልጠል ምህላዉ ይግለጽ።

ጅቡቲ ብዘይካ’ዚ፣ ዶባ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ነበረ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ትሕዞም ምህላዋ’ያ ትንቐፍ።

ኣብ ጅቡቲ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ኩናትን ልዕሊ 200 ድማ ስደተኛታትን ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

=================================    

COMMENTS

WORDPRESS: 0