ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም፣ 50 ልዕሊ 70 ከኣ ቆሲሎም

ኣብ ጅቡቲ፣ ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም፣ 50 ልዕሊ 70 ከኣ ቆሲሎም

Radio Erena: 23 December 2015

Dji Clash

ኣብ ጅቡቲ ኣብ መንጎ ተቓውሞ ዘካየዱ ዜጋታት እታ ሃገርን ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 50 ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ልዕሊ 70 ከኣ ቆሲሎም።

ጋዜጣታት ፈረንሳ ንመግለጺ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ጸጥታ እት ሃገር ባህላዊ እምነት ንምኽባር ዝተኣኻከቡ ኣማኢት ዜጋታት ተቓውሞ ዘካይዶ መሲልዎም ንምብታኖም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እቲ ግጭት ከምዝተኻየደ’የን ዝገልጻ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ብወገኑ፣ ፖሊስ፣ ነቶም ኣብ ጥቃ ከተማ ጅቡቲ እትርከብ ቡልዶሆቖ ዝተባህለ ከባቢ ዝተኣኻኸቡ ኣማኢት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ውሑስ ቦታ ከግዕዞም ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ ካብቲ ቦታ ኣይንግዕዝን ስለዝበሉ እቲ ግጭት ከምዝተወልዐ’ዩ ዝገልጽ።

 

እቶም ባህላዊ እምነት ንምብዓል ዝተኣኻከቡ ዜጋታት ጅቡቲ ካራሩን ብውሕዱ ከኣ ክልተ ጠበናጁን ዝዓጠቑ ምንባሮም’ውን እቲ ሚኒስተር ይጠቕስ።

በቲ ግጭት ሓንቲ መንእሰይ እትርከቦም ሸውዓተ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ 23 ሰለማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉን፣ 50 ኣባላት ፖሊስ ከኣ ፈኵስን ከቢድን ጉድእት ከምዝወረዶምን ሚኒስተር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ኣመልኪቱ።

ተቓወምቲ ሰልፍታት ብወገኖም፣ በቲ ግጭት ዝተቐትሉ ከምቲ መንግስቲ ዝገልጾ ዘሎ 7 ጥራይ ዘይኮኑ ክሳብ 19 ከምዝበጽሑ’ዮም ዝገልጹ።

እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ ከምዘሎ መንግስቲ ጅቡቲ ይሕብር።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0