ሱዳን ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ከይህልዎም ዝተጠርጠሩ ጉጅለታት ትምርምር

ሱዳን ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ከይህልዎም ዝተጠርጠሩ ጉጅለታት ትምርምር

Radio Erena: 22 December 2015

ISIS in Sudan

ኣብ ሱዳን ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ክህልዎ ዝኽእል ጉጅለ፣ መርመራ ይካየደሉ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ብስም ሃይማኖት ዝተጠርነፉ ኣኽረራሪ ጉጅለ ሱዳን፣ መንእሰያት ብምምልማል ናብ ሊብያ፣ ዒራቕን ሶርያን ክልእኽ ከምዝጸንሐ ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ንመራሕቲ እቲ ብስም ‘ጃምዓት ኣል ኢዕጢሳም ቢል ኪታብ ዋልሱና’ ዝጽዋዕ ጉጅለታት ተደጋጋሚ መርመራን ምጽርያን ድሕሪ ምክያድ፣ ናብ ፍሉይ ኣሃዱ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን እታ ሃገር ኣሰጋጊርዎም።

 

መንግስቲ ሱዳን ኣቐዲሙ’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ንዝተጠርጠራ ጉጅለታት፣ ምጽራይ ከምዘካየደልን ጸብጻብ ሱዳን ትሪቡን የመልክት።

ልዕሊ 200 ዜጋታት ሱዳን፣ ኣብ ሊብያን ሶርያን ምስ ዝንቐሳቐስ ጉጅለ ዳዒሽ ተጸንቢሮም ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውስጣዊ ጉዳያት ሱዳን ይሕብር።

ዳዒሽ፣ ካብ ዝተፈላለ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ኣሽሓት ዕጡቓት ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ሊብያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዳዒሽ ካብ ሱዳን፣ ሶማል፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ማሊን ካልኦት ኣብ ቅናት ሳሕለ – ሰሓራ ዝርከባ ሃገራት መንእሰያት ንምምልማል ይሰርሕ ምህላዉ ስለያዊ ምንጭታት የጠንቕቑ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0