ኣብ ጀርመን ንግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ተመዲቡ ዝነበረ ኣዳራሽ ብሓዊ ተቓጺሉ

ኣብ ጀርመን ንግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ተመዲቡ ዝነበረ ኣዳራሽ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

    ፖሊስ ጀርመን ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ምዕራብ ከተማ በርሊን ዝርከብ ናይ ስፖርት ኣዳራሽ፣ ከም ግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ክኸውን ተመዲቡ’ኳ እንተነበረ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጠ ውልቀሰባት ኮነ ኢልካ ከምዝተቓጸለ ሓቢሩ።

በቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት የለን።

ኣብ ጀርመን ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ጀርመናውያን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ጽልኢ ንምግላጽ ተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ይዝከር።

    ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ድረስደን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ቻንስለር’ታ ሃገር ኣንገላ መርከል፣ ዘሕንኽን ዕሽነት ዝመልኦን ፍጻሜ ክትብል ከምዝገለጸቶ ይፍለጥ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ጀርመናውያን ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ምብርካት ክርከቡ እንከለዉ፣ ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ወገናት ከኣ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

    ዝሓለፈ ሰሉስ’ውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ሶሻል ደሞክራት ፓርቲ፣ ዝተጻወደ ቦምባ ኣሎ ብዝብል ስግኣት ሰራሕተኛታት’ቲ ቤት ጽሕፈት ስርሖም ኣቋሪጾም ከምዝወጹ ተገይሩ’ዩ። እዚ መጠንቀቕታ’ዚ ዝመጽእ ዘሎ፣ ኣቦ ወንበር’ቲ ፓርቲን ምኽትሉን፣ ናብቲ ዝዳሎ ዘሎ ግዚያዊ መጽለሊ ስደተኛታት ክበጽሑ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባሮም እዩ።

    ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምስጋር በብመንገዶም ናብ ሃገራት ምዕራብ ፋሕ ኣብ ዝብሉሉ እዋን፣ ጀርመን ዑቕባ ብምሃብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ክሳብ 800 ሽሕ ስደተኛታት ክትቅበል መደብ ከምዘለዋ ተፍልጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0