መስመር ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ መፈለምታ 2016 ክኽፈት’ዩ

ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ዘራኽብ መስመር ባቡር ኣብ መፈለምታ 2016 ክኽፈት ምዃኑ፣ ሓላፊ መገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ብክልተ ቻይናውያን ናይ ህንጻ ትካላት ተታሒዙ ዘሎ ምህናጽ መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ-ጂቡቲ፣ 4 ቢልዮን ዶላር ዝውድእ ኮይኑ ናይ ልዕሊ 700 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝሽፍን’ዩ።

    ካብ በዓል መዚ ኣገልግሎት ባቡር ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዝበዝሐ ክፋል መስመር ኢትዮጵያ ጂቡቲ ክውዳእ፣ ኣብ መፈለምታ 2016 ከኣ ክዛዝም ትጽቢት ከምዘሎ የመልክት።

    ኢትዮጵያ ወደብ ጂቡቲ ኣብ እትጥቀመሉ እዋን ርኡይ ጸገማት ከምዘጋጥም፣ ሓደ ካብኡ ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ንዘሎ ዓጸቦ ንምክልኻል ህጹጽ ረዲኤት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፣ ኣገልግሎት ወደብ ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ተንተንቲ’ቲ ከባቢ የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0