ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቀቲሉ

ኣብ ጀርመን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቀቲሉ

Radio Erena: 15 January 2015

kalkal

ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ተቀቲሉ።

25 ሽሕ ዝኾኑ ዓቓባውያን ጀረመናውያን፣ ኣብታ ከተማ ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምና ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰት ኻልድ እድሪስ ተቐቲሉ ተረኺቡ።

ቅትለት እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስቲ ዓቃባውያን ጀረመናውያን ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፊ ምትሕሓዝ ከምዘለዉ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝጠቕሳሉ ዘለዋ እዋን፣ ፖሊስ ጀርመን ብወገኑ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ቅትለት ቐጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ኣፍሊጡ’ሎ።

 

ኻልድ እድሪስ፣ ብሰኑይ 12 ጥሪ ካብ ገዝኡ ድሕሪ ምውጽኡ ንጽባሒቱ’ዩ መላእ ኣካላቱ ብፍላይ ከኣ ገጹ ብደም ተሓጺቡ ሞይቱ ዝተረኽበ።

እቲ ናብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ዓመቱ ዘይመልአ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክሳዱን ኣፍልቡን ብተደጋጋሚ ብካራ ከምዝተወግአ ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ጀረመን ብፍላይ ከኣ ድረስደን ኣብ እትርከበን ሓደ ሓደ ከተማታት፣ ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምናን ስደተኛታትን ዝቐንዐ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ቻንስለር እታ ሃገር ኣንግላ መርከል ዝርከብዎም መራሕቲ እታ ሃገር ኣንጻሩ ዝቀንዐ ካልእ ሰልፊ ምክያዶም ተፈሊጡ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ ድረስደን ከምኡ’ውን ሓያሎ ኣባላት ባይቶ’ታ ከተማ በዚ ኣብ ልዕሊ’ዚ ንጹህ ኤርትራዊ ዝተኻየደ ግፍዓዊ ኣቀታትላ ከምዘሕዘኖም ድሕሪ ምግላጽ፣ ግቡእ መርመራ ተኻዪዱ ገበነኛታት ኣብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ መስርሕ ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሬድዮ ኤረና ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ኻልድ እድሪስ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ግፍዓዊ ኣቀታትላ ሓዘና እንዳገለጸት፣ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0