ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዝተኻየደ ግጭት ፣ 10 ሰባት ተቀቲሎም

Radio Erena: 27 August 2019

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 10 ሰባት ከምዝተቀትሉ ማዕከን ዜና ስታንዳርድ ካብ ናይሮቢ ሓቢራ።

እታ ማዕከን ዜና፣ ንኮሚሽነር ፖሊስ ምስ ኢትዮጵያ ናይ እተዳውብ ዞባ ማርሳቢት ናይ ኬንያ፣ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ሓበሬታ፣ እቲ ግጭት ኣብ ፎሮለን ሳባርሕን ኣብ ዝተባህለ ቁሸታት’ዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ሓበሬታ፣ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገሩ ዝተጠርጠሩ፣ ብረት ዝዓጠቑ ጓሶት፣ ናብተን ቁሸታት ብለይቲ ብምእታው ብዝኸፈትዎ መጥቓዕቲ ክልተ ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ብውሕዱ ትሽዓተ’ውን ቆሲሎም።

እቶም ዕጡቓት ጓሶት፣ ካብ ክልትኤን ቁሸታት ኣማኢት ከብቲ ከምዝዘመቱ ነበርቲ እተን ቁሸታት ኣመልኪቶም።

ፖሊስ ኬንያ ናብቲ ቦታ እኳ እንተተዋፈሩ፣ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ጓሶት ናብ ኢትዮጵያ ስለዝሰገሩ ዝተታሕዘ ኣካል የለን።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ብሰንኪ ዋንነት ናይ መግሃጫ መሬትን ማይን፣ ተደጋጋሚ ግጭታት ከምዝርአ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0