ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ከባቢ ገዳርፍ ብዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ ናይ ዝተቐትሉ ሱዳናውያን ብዝሒ 45 ከምዝበጽሐ ሓደ ኣባል ባይቶ ገሊጹ

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ከባቢ ገዳርፍ ብዕጡቓት ሚሊሻ ኢትዮጵያ ናይ ዝተቐትሉ ሱዳናውያን ብዝሒ 45 ከምዝበጽሐ ሓደ ኣባል ባይቶ ገሊጹ

Radio Erena: 28 December 2015

El gedarf

ኣብቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ከባቢ ገዳርፍ፣ ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ናይ ዝተቐትሉ ሱዳናውያን ብዝሒ 45 ከምዝበጽሕ ኣባል ባይቶ ሙባራክ ኤል ኑር ገሊጹ።

ንሱ ምስ ሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ዞባ ገዳርፍ ብፍላይ ከባቢ ኤል ፋሻጋ ብዕጡቓት ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕቲ ደው ከምዘይበለ’ዩ ዘረድእ።

እቶም ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዕጡቓት፣ ንሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ወሪሮም ብምሓዝ፣ ንዝበዝሐ ነባሪ እቲ ከባቢ ከፈናቕልዎ እንከለዉ፣ ብውሕዱ 20 ሱዳናውያን ከኣ ጅሆ ሒዞም ምሓዞም እቲ ኣባል ባይቶ ይጠቕስ።

 

እዚ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሰሓሓበ ጉዳይ ብሰላምዊ መንገዲ ንምፍትሑ፣ መራሕቲ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ድሕሪ ርኻቦም፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናይ ዶብ ምምልካት ክግበር ከምዝተሰማምዑ ይዝከር።

እንተኾነ ሓያሎ ተወለድቲ እቲ ምስ ዞባ ገዳርፍ ዘዳውብ ከባቢታት ጎንደር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመሬቶም ናብ ሱዳን የረክቦ ከምዘሎ’ዮም ዝቓወሙ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግና፣ ምስ ሱዳን ናይ ዶብ ምምልካት ስምምዕ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ንሱዳን ዝወሃብ መሬት ኢትዮጵያ ከምዘየለ’ዩ ዘረድእ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0