መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምሻም መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣብ ወጥሪ ይርከብ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምሻም መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣብ ወጥሪ ይርከብ

Radio Erena: 28 December 2015

Abune Antonios

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ጉዳይ ምሻም መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ይዝቲ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ብወኪላቱ ኣቢሉ ምስ ኣባላት ምምሕዳርን ሲኖዶስን እታ ቤተክርስትያን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምብጻሕ’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ካብ ሕጊን ስርዓትን እታ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ፣ ንመበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ 2007 ድሕሪ ምእላይ፣ እቲ መንግስቲ ምስ ሓደ ሓደ ኣባላት ምምሕዳርን ሲኖዶስን ብምሽራኽ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ክኾኑ ከምዝሸሞም ኣይርሳዕን።

 

ብሰንኪ’ዚ ከኣ ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ክልተ ተገሚዓ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሚኦም ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምዕራፎም፣ መንግስቲ ኤርትራ መበል ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኣብ ምሻም ከም ናይ ወትሩ ኢዱ ንምትእትታው ይጽዕር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣቡነ ኣንጀሎስ ናይ ብሪጣንያ ዝርከብዎም ሓያሎ ኣቡናት፣ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ናብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝልእክዎ ዘለዉ ናይ ሓዘን መልእኽታት፣ እቶም ብዘይግን ስርዓትን ካብ መንፈሳዊ ቦትኦም ዝተኣልዩ ኣቡነ እንጠንዮን ናብ ቦትኦም ክምለሱ’ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ እስክንድርያ እትርከብ ቤት ክርስትያን ኦሮቶዶስ ተዋህዶ ትኹን ካልኦት ኣሓት ቤተክርስትያናት ነቶም ብሕርያ መንግስቲ ዝተሸሞ ኣቡነ ዶዮስቆሮስ ወግዓዊ ተቐባልነት ከይሃብኦም’ዮም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

እተን ኣብያተ ክርስትያን ንኣቡነ እንጠንዮን’የን ከም ወግዓዊ ፓትርያርክ ዝፈልጦኦም።

ካብዚ ብዝነቐለ ከኣ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ደጊመን ጻውዒት የቕርባ ኣለዋ።

88 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቡነ እንጠንዮስ ንምእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እታ ቤት ከርስትያን ብትሪ ዝተቓወሙ ጽኑዕ መንፈሳዊ ኣቦ’ዮም።

ብሰንኩ ከኣ መንግስቲ ካብ ሕግን ስርዓትን ናይታ ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ካብ መፍሳዊ ቦትኦም ብምእላይ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝኣትዉ ጌርዎም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0