ኣብ ዶብ ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን፣ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 May 2022

ንደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ኣብ ዘራኽብ፣ ዑመር ናይ ግዳዊ መስመር ጁባ- ኒሙለ፣ ዕጡቓት ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 20 ሰባት ተቐቲሎም።

በቲ ኣብ ዞባ ማጋዊ፣ ከተማ ኒሙለ ኣብ ዝርከብ ከባቢ መሊጆ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ 11 ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 10 ሽሕ ከብቲ ከምዝተዘምታ ንመግለጺ ፖሊስ ደቡብ ሱዳን ብምጥቃስ መርበባት ዜና ሓቢረን።

ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብታ ንኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን እትዋሰን ከተማ ኒሙለ፣ ወጥር ሰፊኑ ምንባሩ ዝሓበረ ፖሊስ ብተወሳኺ፣ ብ12 ግንቦት ክልተ ኣባላቱ ምስ ተቐትሉ፣ ነቲ ዶብ ክዓጽዎ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ኒሙለ ከምዝተኸፍተን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንጁባን ካምፓላን ዘራኽብ መስመር ኒሙለ ከም ቀደሙ ስሩዕ ናይ ንግዲን መጓዝያን መካይን ብጻዕቂ ይመላለሳሉ ምህላወንን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።

መስመር ጁባ-ኒሙለ፣ መዓልታዊ ኣማኢት ናይ ንግዲን መጓዓዝያን መካይን ካብን ናብ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ዝመላለሳሉ ኣውራ መንገዲ’ዩ።

ኣብዚ መስመረ እዚ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ነጋዶን መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ብብዝሒ ይመላለሱ።

ሸፋቱን ዕጡቓትን፣ ኣብ ዝምታን ስርቕን ነጋዶን ተጓዓዝቲን ተዋፊሮም ብዝፍጽምዎ መጥቃዕታት፣ ድሕነት እቲ ኣውራ መንገዲ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ስግኣት ክፈጥርን ጸኒሑ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0