ኡጋንዳ፣ 34 ጀነራላት ብጥሮታ ክትርፍት’ያ

Radio Erena: 17 May 2022

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ 34 ጀነራላት ብጥሮታ ከፋኑ ምዃኑ ንመግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ብምጥቃስ መርበብ ዜና ደይሊ ሞኒተር ሓቢሩ።

ክልተ ምሉእ ናይ ጀነራል፣ ሰለስተ ናይ ልዩተናንት ጀነራል፣ 10 ናይ ሜጀር ጀነራል፣ 19 ድማ ናይ ብርጋዴር ጀነራል ማዕረግ ዘለዎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ብጥሮታ ክፋነው ምዃኖም ዝገልጽ ደብዳቤ ኣቐዲሙ ከምዝበጽሖም ተመልኪቱ።

16ን 17ን ግንቦት ኣብ ዝካየድ ወትሃደራዊ ጽንብል ብወግዒ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ክግበረሎም ምዃኑ እቲ ማዕከን ዜና ኣሚቱ።

ንኡጋንዳ 36ዓመታት ዝመርሐ፣ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ንገዳይምን ምኩራትን ጀነራላት ብጥሮታ ዝርፍት ዘሎ፣ ንወዱ ናብ ስልጣን ንምድያብ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ዝገበርሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

መበል 48 ዓመት ልደቱ፣ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ዝጸንበለ፣ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዝኾነን ናይ ጀነራል ማዕረግ ዘለዎን ወዱ ንፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ነታ ሃገር ንምምራሕ ዘኽእሎ ፖሊሲታት ዘዳልወሉ ግዜ ከምዝኣኸለ ዝሓለፈ ቅንያት ብትዊተር ኣተንቢሁ’ዩ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ኣብ ስልጣን ብዝጸንሖ ብዝሒ ዓመታት፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፣ ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ሳልሳይ’ዩ።

ንኤርትራ፣ ብዘይዝኾነ ምርጫ ን31 ዓመታት መሪሑ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፣ ንሙሴቬኒ ስዒቡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይስራዕ።

ፕረዚደንታት ሙሴቬኒን ኢሳይያስ ዝርከብዎም ሸሞንተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ’ዮም።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0