ኣብ ዶብ ቱርኪን ሶርያን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 07 February 2023

ንቱርኪን ሶርያን ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፣ ብሰኑይ 06 ለካቲት ብዘጋጠመ ምንቅትቓጥ ምድሪ፣ ልዕሊ 3500 ሰባት ከምዝሞቱ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ 7.8 ከምኡ ድማ 7.5 ሬክተር ዝዓቐኑ ክልተ ምንቅትቓጥ ምድሪ፣ ንሰፊሕ ከባቢታት ዝሸፈነ ኮይኑ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ተደፊኖም ምስምህላዎም፣ ቁጽሪ ምውታት ካብዚ ዘለዎ ብዝተዓጻጸፈ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ሃገራት ዓለም፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ቱርኪን ሶርያን ከቢድ ስምባደ ፈጡሩ ዘሎ ባህርያዊ ሓገጋ ዝኸውን ህጹጽ ረዲኤት ንምብርካት ንመግስታት ክልትኤን ሃገራት ይሓታ ኣለዋ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0