ኤርትራ፣ ሮቡዕ 08 ለካቲት፡ ኣብ ጋና ኣብ ዝጅምር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

Radio Erena: 06 February 2023

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 08 ክሳብ 13 ለካቲት፣ ኣብ ጋና፣ ከተማ ኣክራ ዝካየድ መበል መበል 19 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (African Continental Cycling Championship) ክትሳተፍ’ያ።

ኣብ ዙር ጋቦን፣ ቅድድም ላ ፕሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ተጸሚዳ ዝቐየነት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ናብ ኣስመራ ተመሊሳ ልምምድ ብምክያድ’ያ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ጋና ኣቕኒዓ ዘላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ፣ ኣብ ውድድር ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂተባዕትዮ መሪጻቶም ዘላ ሸሞንተ ተቐዳደምቲ፦ ሄኖክ ሙሉብርሃን፣ ናትናኤል ብርሃነ፣ ሜሮን ተሾመ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፣ ዮኤል ሃብተኣብ፣ ኤፍሬም ገብረሂወት፡ ናሆም ዘርኣይን ሚልክያስ ቅዱስን’ዮም።

እቶም ሽዱሽተ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝርከባ ክለባት ዝቐዳደሙ ኮይኖም፣ ሜሮን ተሾመን ዪኤል ሃብትኣብን ጥራይ’ዮም ካብ ኤርትራ ተጸንቢሮሞም።

ኣብ 2001 ዓ.ም. ዝጀመረ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ካብ 2005 ንደሓር፡ ብዘይካ፣ ኣብ 2014 ከምኡ’ውን 2020፡ ዓመታዊ ብስሩዕ ክካየድ ጸኒሑ።

ኤርትራ ኣብ’ዚ ቅድድም ንፈለማ እዋን ኣብ 2005 ምስታፍ ካብ እትጅምር፣ ብዘይካ ኣብ 2006፣ 2009 ከምኡ’ውን 2021 ኣብ ኩሉ ከይቦኸረት ተኻፊላ።

ን10 ተኸታተልቲ ዓመታት ድማ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኣፍሪቃ ንምዃን በቒዓ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ራድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ’ዚን ካልእን ሰፊሕ መደብ ስፖርት፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ ፈነወና ተኸታተሉ።

ስእሊ፣- ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ (ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት)

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0