ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ገበን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ብኢትዮጵያ ቀሪቡ

Radio Erena: 13 December 2020

ኣብ ዶባት ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከባ ዓድታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተፈጸመ ገበን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተሳቲፎም ዝብል ክሲ ብወገን ኢትዮጵያ ከምዝተሰምዐ፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።
ካብ ወከልቲ ህዝቢ ዝተዋጸአ ናይ ህጹጽ እዋን ቦርድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ካብ ህወሓት ብላዕ ተዋሂቦም፣ ብሰራዊት ፈደራል ከምዝተፈጸመ ኣምሲሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግፍዕታት ከውርዱ ትእዛዝ ተዋሂቡዎም ክብል ከሲሱ።
ኣህጉራውያን ትካላት ናብቲ ዞባ ክኣትዋ ስለዘይተፈቕደን፣ ናይ መራኸቢ መስመራት ብምዕጻዉን፣ እዚ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ንሓቅነቱ ብዝምልከት ካብ ናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
እንተኾነ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ቦርድ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፣ ካብ ሱዳን ካብ ዝተመልሱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ብዝሃብዎ ቃል ተመርኲሱ ነቲ መጽናዕቲ ከምዘካየዶ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሆስፒታል ሑመራ ተዓቚቦም ዝነበሩ 20 ሕሙማት ከምኡ’ውን ሽዱሽተ ወነንቲ ትካላት ብጅምላ ከምዝተቐትሉ ዘርእይ ጸብጻባት እውን ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ማይ ካድራ፣ ዞባታት ኦሮምያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኮንሶን ዝኣመሰሉ ዞባታትን ንዝተፈጸመ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዝምልከት ሓፈሻዊ ጸብጻቡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከቕርብ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0