ኣብ ደቡብ ኣፍርቃ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሻቕሎት ይፈጥር

Radio Erena: 27 February 2017

South Africa Xeno

ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብዘካየድዎ ዘለዉ ናዕብን መጥቃዕታትን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ፕሪቶርያ ሓቢሮም።

‘ናይ ስራሕ ዕድላትና ይምንጥሉና ኣለዉ’ ካብ ዝብል፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብፍላይ ኣብ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን፣ ካብ 20 ለካቲት ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ብዘካይድዎ ዘለዉ ናዕቢ ሓያሎ ዜጋታት ናይጀርያን ኣቝሲሎም።

ብዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ብዜጋታት ሶማላን ናይጀርያን ንዝውነን ሓያሎ ትካላትን ኣብያተ ሸቐጥን’ውን ዘሪፎምን ኣዕንዮምን።

በቲ ፍጻሜ ዝተቖጥዐ ህዝቢ ናይጀርያ፣ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፣ ኣብታ ሃገርሩ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከይወስድ ተሰጊኡ ይርከብ።

ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2017 ብሰንኪ ተመሳሳሊ ናዕብታት 14 ሶማላውያን ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተቐትሉ ጸብጻብ ኣልጀዚራ የመልክት።

ኣብ ልዕሊ ወጻኢተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ከምዚ ዓይነታት ናዕብን ተቓውሞ ብተደጋጋሚ እዋን ዝውድቡ ኮይኖም፣ ኣብ 2015 ሓደ ኤርትራውን ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያንን ዝርከቦም ብውሕዱ ትሽዓተ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝቐተሉ ኣይርሳዕን።

ኣብ 2008 እቲ ዝኸፍአ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝተራእየሉ ኮይኑ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብዎም 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ’ውን ይዝከር።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ብፍላይ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ንምቁጽጻሩ ኣብተን ናዕቢን መጥቃዕታትን ዝካየደለን ዘሎ ከተማታት ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን እኳ እንተተዋፈሩ፣ እቲ ዕግርግር ዛጊት ክሃድእ ኣይከኣለን።

ፕረዚደንት ጃኮብ ዙማ፣ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት ደው ክብልን እቲ ናዕቢ ድማ ክሃድእን ጸዊዒ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብታ ናዕቢ ብዝያዳ ተጎሃሂሩላ ዘሎ ከተማ ፕሪቶርያ ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ እቲ ኩነታት ክሳብ ዝሃድእ ምንቕስቓሳቶም ክድርቱን፣ ብዝተኻእለ መጠን በብውልቂ ከይንቐሳቐሱን እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ነበርቲ እታ ከተማ መልእኽታቶም የሕልፉ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0