ኤርትራ፣ ዓመታዊ ዘጋጥም ብዝሒ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ 1400 ናብ 350 ወሪዱ

Radio Erena: 24 February 2017

UNDP

ኣብ ኤርትራ ዓመታዊ ዘጋጥም ዝነበረ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ፣ ካብ 1400 ናብ ኣስታት 350 ከምዝወረደ ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሐ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ዝርኣየላ ሃገራት ዓለም ኮይና፣ ብገምጋም ዓመታዊ ካብ ዝሓርሳ ኣስታት 100 ሽሕ ኣዴታት እተን 1400 ክሞታ ምጽንሐን ኣመልኪቱ።

ጠንቂ’ዚ ድማ፣ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ካብተን ኣብ ኤርትራ ዝሓርሳ ኣዴታት፣ ግቡእ ቅድመ ሕርሲ ክንክን ሕክምና ከምዘይረኽባን፣ ብክኢላታት ተደጊፈን ኣብ ትካላት ጥዕና ስለዘይሓርሳን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ካብ 2015 ንደሓር ግና፣ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ፕሮግራም ልምዓት፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ማዕከን ቆልዑ፣ ምወላ ህዝብን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ፣ መጠነ ሞት ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ብ75 ሚእታዊት ክጎድል ከምዝኸኣለ የነጽር።

ኣብ ኤርትራ ዓመታዊ ኣብ እዋን ሕርሲ ናይ ዝሞታ ዘለዋ ኣዴታት ብዝሒ ካብ 1400 ናብ 350 ክወርድ እኳ እንተኸኣለ፣ ሕጂ’ውን እዚ ቁጽሪ’ዚ ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብቲ ዝበዝሐ ምዃኑ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ኣማኢት ኣዴታት ንምውጋዱ ገና ሓያልን ዝተወሃሃደ ጻዕሪ መሻርኽትን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝሓትት ዘነጸረ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ሞት ኣዴታት ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ብርኡይ ንምጉዳሉ ናይ ኣስታት 88 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድሊ ኣመልኪቱ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0