ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣቦን ወድን ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣቦን ወድን ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 July 2015

south su sho

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ መሪዲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ መንነቱ ዛጊት ዘይተነጸረ ዕጡቕ፣ ኣቦን ወዲን ዝርከብዎም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣድራጋ ቶዅሲ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ኣብ ሓያሎ ኤርትራውያን ነበርቲ ‘ቲ ከባቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ሓደ ካብኣቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቀትሉ ኣቦን ወዲን ሳልሳይ ድማ ናይ ቀረባ ዘመድ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ምንባሮም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ስርቕን ዘረፋን ዝተተሓሓዘ ብፍሉይ ንዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዒላማ ዝገበረ ቅትለት ብብዝሒ ይርአ ምህላዉ ካብታ ሃገር ተደጋጋሚ እዋን ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

 

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0