መንግስቲ ቻድ፣ ደቂንስትዮ ገጽ ምሉእ ብምሉእ ዝሽፍን ቡርቓ ከይክደና ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኡ

መንግስቲ ቻድ፣ ደቂንስትዮ ገጽ ምሉእ ብምሉእ ዝሽፍን ቡርቓ ከይክደና ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኡ

Radio Erena: 14 July 2015

chadburqa

መንግስቲ ቻዳ፣ ደቂንስትዮ ምሉእ ሰብነት ዝሽፍን ዓባያ ወይ ቡርቃ ከይክደና ኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እዚ መንግስቲ ነዚ ዝኣወጀ፣ ጓለነስተይቲ ተመሲሉ ምሉእ ሰብነቱ ብዓባያ ዝተሸፈነ ዕጡቕ፣ ኣብ ከተማ እንጀመና መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

ኣባል ቦኮ ሓራም ናይ ናይጀርያ ምዃኑ ዝተነግረሉ ዕጡቓት፣ ብቀዳም 11 ሓምለ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ማእከል ዕዳጋ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝተቀትሉ ፖሊስ ቻድ ኣረጋጊጾም።

 

እቲ ተፈንጃሪ ዝተቀነተ ዕጡቕ፣ ብኣባላት ጸጥታ ደው ክብል ምስተነግሮ፣ ዓጢቕዎ ዝነበረ ተፈንጃሪ ናብ ማእከል ዕዳጋ ከዝደርበዮ ብሰንኩ’ውን ዝበዝሓ ግዳያት ደቂንስትዮ ምዃነን ጸብጻብ ፖሊስ የረድእ።

በቲ መጥቃዕቲ ኣስታት 80 ሰባት ብኸቢድን ፎኵስን ቆሲሎም።

ጓለነስተዪ ተመሲሉ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዕጡቕ ግና ካብ ኢድ ኣባላት ጸጥታ ከምልጥ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ይርከብ።

መንግስቲ ቻድ፣ ድሕሪ’ዚ መጥቃዕቲ ጸጥታ እታ ሃገር ንምሕላው ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝንቀሳቀስ ሰብ መንነት ክፍለጥ፣ ብዓባያ ይኹን ቡርቃ ገጽ ምሽፋን ከምዘይፍቀድ ኣዊጁ።

ብዓባያ ይኹን ቡርቓ ምሉእ ገጽ ምሽፋን ብወግዒ ካብ ዝኸልከላ ሃገራት ዓለም፣ ቻድ ናይ መጀመርያ ኣይኮነትን።

መንግስቲ ቻድ ምስ ፈረንሳን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ብምትሕብባር ንዕጡቓት ቦኮ ሓራም ይሃድን ብምህላዉ፣ እቲ ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን’ዩ ዘጠንቕቕ።

ኣብ ቅናት ሳሕለ ሳሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከስፋህፍሕ ከምዝደሊ ዝንገረሉ ቦኮ ሓራም፣ ኣሰር ኣልቃዒዳን ዳዒሽን እናሰዓበ ይመጽእ ከምዘሎ ተንተንቲ የጠንቕቑ።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0