ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰፊኑ ዘሎ ብልሽውና ሰማይ ዓሪጉ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 08 March 2020
መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ስልጣን ተመቓሪሖም ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ብልሽውና ሰማይ ዓሪጉ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን፣ ስልጣኖም ተጠቒሞም ይኹን ብሓይሊ ብረት፣ ካብ ንብረት ህዝብን ሃገርን፣ ዘይተኣደነ ሃብቲ ኣኻዕቢቶም ከምዘለዉ’ዩ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝግለጽ ዘሎ።
ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገራዊ ማእከል ምክልኻል ገበን ብሓሙስ ሓሙሽተ መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነጋዶን ሰበስልጣናትን ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከባ ትካላት ርክብ ብምክያድ፣ ብሸፈጥ ንዘዋህለልዎ ገንዘብ ከየሕጽቡ ጥንቃቐታት ክግበር ጸዊዑ።
እቲ ትካል ምክልኻል ገበን፣ ብፍላይ ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን ብብልሽውናን ብምፍርራህን ዝኣከቡዎ ገንዘብ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ትካላት ብምሽራኽ ንብረቶም ከውጽኡ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ኣጠንቂቑ።
ከምዝዝከር ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2019 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዜጋታታ ምስ ገለ ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን ዝኾነ ፋይናንስያዊ ዝምድና ከይምስርቱ መጠንቀቕታ ኣውጺኣያ።
ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዘበገሶ ውግእ ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን፣ ንመነባብሮ ህዝቢ ድሂኹዎ ከይኣክል፣ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ’ታ ሃገር ኣብ ኢድ ውሑዳት ወዲቑ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝኸሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0