መ. ኢትዮጵያ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ንዘለዉ ኣምባሳደራቱ ምጽውዑ፣ ምስቲ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ክብል ገሊጹ

Radio Erena: 08 March 2020
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ንዘለዉ ኣምባሳደራቱ ምጽውዑ፣ ምስቲ ብጉዳይ ፈለግ ናይል ተኣሳሲሩ ምስ ግብጺ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዝተኣሳሰር ኣይኮነን ክብል ገሊጹ።
ሚድል ኢስት ሞኒቶር ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ዘለዉ ኣምባሳደራት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ብሪጣንያ፣ ኩባ፣ በልጅዩም፣ ሞሮኮ፣ ኣውስትራልያን ኣልጀሪያን ዘለዉ ኣምባሳደራት እውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት፣ ናብ ኢትዮጵያ ክመጹ ከምዝተጸዉዑ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ካብ ዝካየድ ዘተ ሃንደበት ድሕሪ ምስሓባ፣ ምስ ግብጺ ኣብ ሓድሽ ወጥሪ ከምእትርከብ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።
ብተመሳሳሊ፣ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ግብጺ ወጊኑ ንዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ።
ኣብቲ ንዘተ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኢትዮጵያ ክትሳተፍ ዕድመ ከምዝቐረበላ ዘመልከቱ ዲፕሎማሰኛታት፣ እታ ሃገር ከምዘይተቐበለቶ ገሊጾም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0