ኣብ ደቡብ ሱዳን ምክትል ፕረዚደንት ሬክ ማቻር፣ ብፕረዚደንት ኪር ንዝቐረበ፣ ናይ ሓባር እዚ ክቐውም ዝብል ትእዛዝ ነጺጉ

Radio Erena: 30 March 2022

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ናይ ነዊሕ እዋን ተቓዋሚኡን ምክትሉን ሬክ ማቻርን፣ ዳግም ዝተጎሃሃሀር ምስሕሓብ እናበኣሰ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ማቻር፣ ናይ ሓባር እዚ ምቛም ንዝብል ትእዛዝ ፕረዚደንት ከምዝነጸገ ሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።

እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ ንምቛም ናይ ሓባር እዚ ከምዝተቓወመ ዝስማዕ ዘሎ፣ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝምርሑ ወትሃደራት መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ማቻር፣ ንሰሙናት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ንቤት ጽሕፈት ሬክ ማቻር ክኸብብን፣ ኣብ ጁባ ኣብ ዝርከብ ኣገደስቲ ትካላት መንግስቲ ክዋፈርን ከምዝተራእየ፣ ኣፈኛ እቲ መራሒ ተቓዋሚ ክሕብር ጸኒሑ።

ሬክ ማቻር፣ ኣብ ሰንኮፍ ዝርከብ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከይፈርስን እታ ሃገር ናብ ዳግማይ ምሉእ ግጭት ከይትሽመምን፣ ኢጋድ ቅትልጡፍ ምትእትታው ክገብር ጸዊዑ ኣሎ።

ንሱ፣ ብፍላይ መራሒ ሱዳን፣ ከም ኣውሓሲት ናይቲ ኣብ 2018 ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ኣብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ምስሕሓብ ብቅልጡፍ ክትኣቱ፣ ናብ መራሒ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን መልኣኽቲ ምስዳዱ፣ ማዕከን ዜና ሱዳን ትሪቡን ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ዳግም ተጎሃሂሩ ዘሎ ወጥርን ምስሕሓብን፣ ናብ ምሉእ ግጭት እንተ ዓሪጉ፣ ነቲ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላው ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ተጽዕኖ ክፈጥር’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0