ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ይሓቱ

ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ይሓቱ

Radio Erena: May 6, 2014

eri in yemen
ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ህጹጽ ሓገዝ ክረኽቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣብ የመን ኣብ ከተማ ሰንዓ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ተዓቝቦሙሉ ዝነበሩ ግዝያዊ መጽለሊ ክወጹ ብሃንደበት ስለዝተነግሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ዝኾነ መጽለሊ ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ምህላዎ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እቶም ኣስታት 200 ዝኾኑ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ዝሓለፈ ዓመት ብመንገዲ ወደብ ሖዴዳ ናብ የመን ዝኣቱ ኮይኖም፣ ኣብ መጀመርያ 2014’ዮም ኣብ ሰንዓ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቖቢ ግዒዞም።

 

እንተኾነ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብሃንደበት ካብቲ ተዓቝቦምሉ ዝጸንሑ ግዝያዊ ቦታ ክወጹ ከምዝተነግሮም’ዮም ዝጠቕሱ።

እዞም ኣብ ግዳም እናሓደሩ ንሓያሎ ሓደጋታት ተቓሊዕም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረኽቡ UNHCRን ካልኦት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝግደሱ ትካላትን ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ቆላሕታ ክህብዎም ኩሉ ኤርትራዊ ድምጹ ከስምዕ ድማ ተላብዮም።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0