ኣብ የመን፣ ዕጡቓት ባንክታት ይሰርቁ

ኣብ የመን፣ ዕጡቓት ባንክታት ይሰርቁ

Radio Erena: 19 July 2018

Yemen bank attack

መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፣ ኣብ የመን፣ ከተማ ዓደን ንዝርከባ ባንክታት ከምዝሰረቁ ተሓቢሩ።

ድሕሪ’ዚ ዘጋጠመ ስርቂ፣ 12 ባንክታት እታ ከተማ ናብ ማእከላይ ባንክ ዓደን ኣብ ዝልኣኽኦ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ፣ ሓለዋ ክግበረለን ብዘይምኽኣሉ ስራሕ ደው ከብላ ምዃነን ገሊጸን።

እተን ባንክታት፣ ንሳልሳቲ ስራሕ ድው ድሕሪ ምባለን’ውን ዝህብኦ ኣገልግሎታት ክድርታ ምዃነን የጠንቕቓ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙ ዘጋጠመ ስርቂ፣ ክንደይ ገንዘብ ከምዝተዘምተ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ክልተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ናብ ከተማ ዓደን ንምምላስ ፈተነታት እኳ እንተካየደ፣ ጸጥታ እታ ከተማ ክውሕስ ብዘይምኽኣሉ ግና ክሳብ እዚ እወኣን’ዚ ኣብ ሪያድ ክጸንሕ’ዩ ወሲኑ።

 

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0