እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቦታ ትዓጹ

እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ቪዛ ዝሕደሰሉ ቦታ ትዓጹ

Radio Erena: 18 July 2017

israel

መንግስቲ እስራኤል፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ዝገብሮ ዘሎ ዝተፈላለየ ጸቕጥታት፣ ኣብ ባር ሸባ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ከምዝዓጸዎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ወሲድዎ ዘሎ ምዕጻው ቤት ጽሕፈት መሐደሲ ቪዛ ወይ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ፣ ነቲ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ዝጸንሐ ሪጋ፣ ጻዕቂ ሰብን ጽቕጥቅጥን ብዝበኣሰ ዘጋድድ’ዩ ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤናይ ብራክን ኤላትን ክልተ መሐደሲ ነቑጣታት ጥራይ ከምዘለዋ ገሊጾም።

ብመሰረት እቲ ካብ እስራኤል ዝተላእከ ሓበሬታ፣ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝጸንሕ ቪዛ ወይ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ፣ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ምሸት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ሪጋን መሳርዕን ይውዕሉ ምህላዎም’ዮም ዘማርሩ።

መንግስቲ እስራኤል ኣቐዲሙ’ውን፣ 20 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታት እቶም ሓተቲ ዑቕባ ብዘይ ድሌቶም ተቖሪጹ፣ ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጹ ኣብ ባንክ ክቕመጥ ከምዝወሰነ ኣይርሳዕን።

በዓል መዚ ምክትታል ዶብን ኢምግሬሽንን እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘቕረቦ ኣሃዛዊ ጸብጻብ፣ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ብድምር 43,186 ክበጽሕ እንከሎ እቶም፣ 31,414 ካብዚኣቶም ዜጋታት ኤርትራ’ዮም።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0