ኣብ የመን፣ ኣሽሓት ጠበናጁን ተተኮስተን ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝተታሕዘት ተገሊጹ

Radio Erena: 23 July 2020

ኣብ ገማግም የመን፣ ኣሽሓት ጠበናጁን ተተኮስትን ዝጸዓነት መርከብ ከምዝተታሕዘን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መብዛሕቱ እቲ ጠበናጁ AK47 ዝዓይነቱ ካላሺንኮቭ ክኸውን እንከሎ፣ ካልእ ተተካስን ኣጽዋራትን’ውን ከምዝነበሮ’ዩ ተሓቢሩ።

እታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተታሕዘት ዝተገልጸት መርከብ፣ ካብይ ተበጊሳ ናብይ ተምርሕ ከምዝነበረት ብንጹር ኣይተመልከተን።

እንተኾነ፣ ማዕከን ዜና ኣራብ ኒውስ፣ ንሓደ ካብ ሰበ ስልጣን ጸጥታ የመን ብምጥቃስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ እታ መርከብ ናብ ሱዳን ተቕንዕ ምንባራ፣ ምስኣ ዝተታሕዙ ሰለስተ የመናውያን ቃሎም ሂቦም።

ንሳቶም ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ነቲ ጠበናጁ ኣብ ሱዳን ክሸጥዎ መደብ ከምዝነበሮም’ውን እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቶም ዝተታሕዙ ሰለተ የመናይያን፣ ኣካል ናይ ሓደ ብዘይሕጋዊ መንገዲ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣጽዋር ክሸይጥ ዝጸንሐ ጉጅለ የመን ምዃኖም’ውን እቲ ምንጪ ኣሚቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0