ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ንበዓል ናጽነት ብዝተፈላለየ ስምዒታት ጸንቢሎም

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ንበዓል ናጽነት ብዝተፈላለየ ስምዒታት ጸንቢሎም

Radio Erena : 25 May 2015

2244

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ንበዓል ናጽነት ብዝተፈላለየ ስምዒታት ከምዝጸንበሉ ወከልቲ ሬድዮ ከካብ ቦትኡ ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ካብቲ ብኤምባሲ ኤርትራ ዝተኻየደ ጽምብል ተፈልዮም ኣብ ዝወደብዎ መደብ፣ ኣብ ክንዲ ብጓይላን ዳንኬራን ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ዘተ ኣካይዶም።

 

እቲ ትርጉም ናጽነት፡ ሕድርን ለበዋን ሰማእታት ብምትግባር’ዩ ዝምዘንን ዝግለጽን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ብዘይካ’ዚ ንህሉው ኩነታት ብዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ስነ ጥበባዊ ፍርያትን ዝተፈላለየ ደርፊታ ከምዝተኸብረ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ገሊጹ።

በንጻር እዚ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ንደገፍቱን ነቶም ካብ ኤርትራ ዝመጹ ደረፍቲን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቶም ኣብ ቀጽሪ’ቲ ጓይላ ዝካየደሉ ዝነበረ ኣደራሽ ተረኺቦም መንግስቲ ብዛዕባቶም ኣብ ባሕሪን ምድረበዳን ዝሞቱ ዘለዉ ዜጋታት ከተኩር ብምጥላብ ‘ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ብዳንኬራን ሳዕስዒትን ክበዓል ኣይግባእን’፡ እናበሉ ዝቃወሙ ዝነበሩ ደለይቲ ፍትሒ፡ ‘ኤርትራውያን ኣይኮኑን’ ክብል ናይ ዓዘራ መግለጺ ምሃቡ እቲ ወኪል ኣረጋጊጹ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም’ውን ብኤምባሲ ኤርትራ ተወዲቡ ንዝተኻየደ ናይ ጓይላን ሳዕስዒትን መደብ ካብ ደለይቲ ደሞክራስዊ ለውጢ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ኤርትርውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ 23 ግንቦት ኣብ ዘካየድዎ ጽምብል መዓልቲ ናጽነት ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ‘ዮም ዘትዮም።

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ጀርመን፣ ብሪጣንያ፣ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣመሪካን ካናዳን ‘ውን መዓልቲ ናጽነት ብዝተፈላለየ ስምዒታት’ያ ተጸንቢላ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንመበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤረትራ ኣብ ክልተ ደምበ ማለት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ህግደፍን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢን ተገማሚዖም ይጽንብልዋ ምህላዎም ኣቐዲሙ ተገሉጹዩ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0