ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣጽዋር ክትግብር ይድግፍ

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ኣጽዋር ክትግብር ይድግፍ

Radio Erena: 26 May 2015

AUSouth

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ክትግበር ንዝካየድ ዘሎ ጻውዒት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ነዚ ዘፍለጠ፣ መንግስትን ተቓወምቲን ደቡብ ሱዳን ንስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ብምጥሓስ፣ ኵናት ይቕጽልዎ ብምህላዎም’ዩ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ናሚብያ ኣብ ዘካየዶ ኣኺባ፣ ንባይቶ ሰላምን ጸጥታን ናቲ ሕብረት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ደቡብ ሱዳን መብርሒ ድሕሪ ምሃቡ፣ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ምህላዉ ኣረዲኡ።

 

ብኢጋድ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ዕርቂን ደቡብ ሱዳን ከምዝድግፍ ዘረጋገጸ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻርን ናብ ዘተ መኣዲ ክምለሱ’ውን ጸዊዑ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ኣብ ኬንያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ መንግስትን ተቓወምቲን ደቡብ ሱዳን ንዝኸተምዎ ስምምዕ ምቁራጽ ቶዅሲ ምጥሓሶም ብኸቢድ ከምዝቐፈ ይዝከር።

ክልቲኦአም ወገናት ደኡብ ሱዳን ናብ ዘተ ሰላም ክምለሱ እንተዘይክኢሎም’ውን ኣመሪካ ንእገዳምሉእ ደገፍ ክትህብ ምዃና ኣቐዲማ ከተጠንቕቕ ጸኒሓ’ያ።

ሰራዊት መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ዞባ ዩኒቲ ንእትርከብ ከተማ ባንቱይ ንምቁጽጻር ኵናት የካይዱ ምህላዎም ይግለጽ።

====================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0