ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ን21 ጥሪ ካልኣይ ዓመት ፍጻሜ ፎርቶ ይዝክርዋ ኣለዉ

ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ን21 ጥሪ ካልኣይ ዓመት ፍጻሜ ፎርቶ ይዝክርዋ ኣለዉ

Radio Erena : 21 Januray 2015

Tan

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ን21 ጥሪ፣ መበል ካልኣይ ዓመት ናይቲ ኣብ ኣስመራ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተወስደ ናይ ለውጢ ተበግሶ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይዝክርዋ ኣለዉ።

ሓያሎ ኤርትራውያን ደለይዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ‘ስርሒት ፎርቶ’ እናበሉ ዝገልጽዎ ዘለዎ ፍጻሜ 21 ጥሪ ንምዝካር፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝተፈላለየ ተዘክሮታትን ጽሑፋትን ክዝርግሑ እንከለዉ፣ ኣብ ስደት ዝርከባ ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን’ውን ነቲ ፍጻሜ ዘንጸባርቕ ዝተፈላለየ መደባር ኣብ ምቕራብ ይርከባ።

 

ቅድሚ ዓሚ ኣብ 21 ጥሪ፣ ብክልተ ታንክታት ዝተዓጀቡ ኣስታት 100 ኣባልት ሰራዊት ኤርትራ፣ ንቐጽሪ ሚኒስትሪ ዜና ብምኽባብ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ክትግበርን ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ዝጠለብ ጻውዒት ከምዘካየዱ ኣይርሳዕን።

ኣብ 21 ጥሪ 2013፣ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ፣ ብኮለነል ሳልሕ ዑስማንን ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይን ዝተመርሑ ኣባላት ሰራዊት ንሚኒስትሪ ዜና ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ብኡ ንብኡ ብቀጥታ ብሬድዮ ኤረና ንመላእ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝተቓለሐ ኣይርሳዕን።

እቲ ናይ ፎርቶ ስርሒት፣ ካብ ሰዓት ዓሰርቲ ረፋድ ክሳብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ዝጸንሀ ፍጻሜ ድሕሪ ምህድኡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ፍጻሜ እኳ እንተነኣኣሳ፣ ብካድራቱ ኣኢሉ ግና ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝተደፋፍኡ’ዮም ክብል’ዩ ገሊጽዎ።

ኣብቲ ናይ 21 ጥሪ 2013 ናይ ፎርቶ ፍጻሜ፣ ኮለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ክስዋእ እንከሎ፣ ነቲ ስርሒት ካብ ዝመርሑ ኮለነል ሳልሕ ዑስማን፣ ድማ ብሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተደፋፊኡ ጌጋ ከምዝፈጸም ንኣባላት ሰራዊት መግለጺ ክህብ ከምዝተገደድ ይዝከር።

ብድሕሪ’ቲ ናይ ፎርቶ ፍጻሜ ሓደ ካብ እሙናት ኣገልገልቲ ናይቲ መንግስቲ ዝነበረ ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ዓብደላ ጃብር፣ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ድሒሩ ድማ ሚኒስተር ማዕድን ዝነበረ ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴን፣ ከምኡ’ውን ሓያሎ ማእከሎት ወትሃደራውያን መኮንናትን ሓለፍቲ ኣካላት ናይቲ ስርዓትን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይፍለጥ።
==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0