ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ዘሎ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልክተ፣ መራሕቲ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ህጹጽ ርክብ ከካይዱ ቀ/ሚ ሱዳን ጸዊዑ

Radio Erena: 16 April 2021

ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ ዘሎ ዘተ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን ብዝምልከት፣ መራሕቲ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ግብጺን ህጹጽ ርክብ ከካይዱ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ጸዊዑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ፍራንስ 24 ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ንኻልኣይ እዋና በይናዊ ምምላእ ማይ ዲጋ ተሃድሶ ከተተግብር ወሲና ከምዘላ ብምጥቃስ፣ ቅድሚ ‘ዚ ምትግባራ መራሕቲ ሰለስቲኤን ሃገራት ክራኸቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ይኹን’ምበር ዛጊት መራሕቲ ግብጺን ኢትዮጵያን መልሲ ከምዘይሃቡን፣ ኣብዚ 10 መዓልታት ምላሽ ክህቡ ትጽቢት ከምዘሎን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።

እቲ ጉዳይ ብወገን ግብጺን ኢትይጵያን ናብ ኵናት ከምርሕ ይኽእል ዶ ንዝብል ድማ፣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ፣ ፖለቲካዊ ድሌት እንተደኣ ሃልዩ፣ ዓቕምን ክእለንትን ስለዘሎ ናብ ኵናት ዘእቱ ምኽንያት የለን ክብል መሊሱ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዝምልከት ድማ፣ እቲ ዶባት ካብ 1902 ኣትሒዙ ንጹር’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣቐዲሞም ምስ ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝኾነ ጸገም ከምዘይነበሮም ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ፣ ግና ብኣንጻሩ ሱዳን ሉኣላዊ መሬት ኢትይጵያ ወሪራ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

===================  

COMMENTS

WORDPRESS: 0