ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን፣ ኣሰር ሶማሊላንድ ብምስዓብ ናጽነት ከይእውጃ ተሰጊኡ

Radio Erena: 16 April 2021

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን በይናዊ ምርጫትታ ከካይዳ ከምዝኽእላ ይግለጽ ኣሎ።

መራሕቲ እዘን ክልተ ምምሕዳራት፣ ምስ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዘካየደዎ ዘተ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ነናብ ምምሕዳራቶም ተመሊሶም፣ መርገጺታቶም ንምንጻር ኣዋጃት ከውጽኡ ኣብ ምድላዋት ይርከቡ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፣ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ምስ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ምምሕዳር ንምምኽኻር ንቀዳም 17 ሚያዝያ፣ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ይርከብ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ ድማ፣ ናይቲ ምምሕዳር ኮሚሽን ምርጫ ብምምዛዝ፣ በይናዊ ምርጫ ክካየድ ዝብል እማመ ኣቐዲሙ ኣቕሪቡ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ቅዋም እታ ሃገር ካብ ዝፈቕዶ ወጻኢ ብዝኾነ መስርሕ፣ ነቲ ብ8 ለካቲት ዘብቅዐ ስልጣኑ ብክልተ ዓመታት ድሕሪ ምንውሑ፣ ሶማል፣ ናብ ሓደገኛ ኣንፈት ተምርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ የጠንቅቑ።

ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሶማል ዝተቓወመት ኣመሪካ፣ ብመንገዲ ኣብ ሶማል ዝርከብ ኣምባሳደራ፣ ዶናልድ ያማማቶ ኣቢላ፣ ምስ መራሕቲ እዘን ክልተ ምምሕዳራት ቀጥታዊ ርክብ ከተካይድ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ንሰንበት 18 ሚያዝያ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ርክብ ኣምባሳደር ኣመሪካን መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድ፣ እቶም መራሕቲ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘለዎም መርገጺ ብዝምልከት ክመያየጥ’ዩ።

እዘን ኣካላት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኮይነን ዝጸንሓ ክልተ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ኣሰር ሶማሊላንድ ስዒበን፣  ናጽነት ከይእውጃ’ውን ካልእ ዝዓበየ ስክፍታ እቲ ዞባ’ዩ።

ብዘይካ ንከተማ ሞቛድሾ፣ ንካልእ ክፋል እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸር ዘይክኣለ ፕረዚደንት ሶማል፣ ብቁርቁስ ናይ ስልጣን፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ምክፍፋል ከውድቓ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ን22 ዓመታት ንሶማል ብምልኪ ዘመሓደረ ስርዓት ስያድ ባረ፣ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቑ፣ ሶማል፣ ነዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ኣብ ኵናት ሓድሕድ’ያ ኣሕሊፋቶ። 

ኣብ ልዕሊ’ዚ እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ተመቓቒላ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሶማሊላንድ ናጽነታ ክትእውጅ እንከላ፣ እተን ዝተረፋ ሓሙሽተ ግና ብፈደራላዊ ስርዓተ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ሶማል ክቕጽላ ተሰማሚዐን።

ሶማሊላንድ፣ ናጽነታ ደኣ ትኣውጅ እምበር፣ ዛጊት ከም ሉኣላዊት ሃገር ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበተን።

ካብ 2016 ኣትሒዘን፣ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከባ ሓሙሽተ ርእሰ ምምሕዳራት፣- ፑንትላንድ፣ ጋልምዱግ፣ ሒርሻበል፣ ኩንፉር ጋልብደን ጁባላንድን’የን።

በናዲር’ውን ከም ሻድሸይቲ ርእሰ ምምሕዳር ተፈላጥነት ንምርካብ እትሓትት ዞባ’ያ። 

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0