ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሊቨርፑል ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ንዘለዋ መርገጺ ዝኹንን ሰለማዊ ልፊ ኣካይዶም

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሊቨርፑል ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ብሪጣንያ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራ ንዘለዋ መርገጺ ዝኹንን ሰለማዊ ልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 18 June 2015

Liverpool Demo

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሊቨርፑል ዝነበሩ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ ነቲ ብክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዝወጸ፣ ኤርትራውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም የብሎን ዝብል መግለጺ ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኤርትራውያን ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቀጽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብምትእክኻብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ዑቕባ ክሓቱ ዘገደዶም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ራዕድን ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ብሪጣንያ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም የብሎምን ምባላ ነቒፎም።

 

እቲ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘለዎ ኣፍልጦ ብዝያዳ ከዕሙቕ ብምጽዋዕ’ውን ሒዝዎም ዘሎ መርገጺ ክቕይር ሓቲቶም።

መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ፣ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም መሕተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክኸውን ከምዘይክእልን ኤርትራውያን’ውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ጸገም ከምዘየለ ዝእንፍት ጸብጻብ ምቕራቡ ይዝከር።

ኣብ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን መብዛሕቶም ከም ኣውራ ምኽንያት ዘቕርብዎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ይፍለጥ።

======================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0